ሰለስተ ኣበላት ዝሓዘ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሰላማዊ ልዝብ ከቕርቡ፡ ብኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጸዩ ሰለስተ ልኡኻት ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ልኡኻት፡ መራሕቲ ሃገራት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ጆኪዩም ቺሳኖ ካብ ሞዛምቢክ፣ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ካብ ላይቤሪያ ከምአ'ውን ጋሌማ ሞትላንቴ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዮም።
እቶም ሰለስተ ልኡኻት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ "ናይ መወዳእታ ምዕራፍ" ዝበሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክካየድ ኣብ ዝወሰነሉ ዕለት እዮም ናብ መዲና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ናይ መወዳእታ" ዝበሎ ወፍሪ ኣብ ከተማ መቐለ'ዩ ክካየድ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ጻውዒት ሽምግልና ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘይቅበል ትማሊ ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወፍሪ "ሕጊ ንምኽባር" ዝካየድ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ ከልዕል ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ነቶም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝርከቡ "ገበነኛታት" ዝበሎም ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ነቲ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየቋርጾ ከኣ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ "ወራር" እምበር ጉዳይ ምኽባር ልዕልና ሕጊ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።
ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን፡ ህዝቢ "መንነቱን ሃለዋቱን" ንምውሓስ ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፈተ ኲናትን ወራርን ክምክት ጸዊዑ።
ብሰንኪ'ዚ ሰለስተ ሰሙን ዝገበረ ኲናት ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱን ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣማኢት ወተሃደራት ከምዝሞቱን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ተወከልቲ ትግራይ ካብቶም ኣብያተ ምኽሪ ካብ ዝወጽኡ ጸኒሖም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







