ኮሮናቫይረስ፡ 95 ምኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ክታበት ተረኺቡ

ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, MODERNA

ሓድሽ ክታበት ንኮቪድ-19፡ ኣስታት 95 ምእታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ፡ ካብ ሞደርና ዝተባህለ ትካል ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ፒፊዘር ዝተባህለ ካልእ ኣፍራዪ መድሓኒት 90 ምኢታዊት ዝከላኸል ክታበት ከምዘማዕለ ድሕሪ ምግላጹ ዝወጸ እዚ ሓበሬታ፡ ክታበታት ንለበዳ ኮቪድ-19 ደው ንምባል ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ክብ ኣቢልዎ እዩ፡፡

ክልቲኦም ትካላት፡ ብልዑል ምህዞን ምርምርን እዮም ነቶም ክታበታት ቀሪጾምዎም።

ነቲ ክታበት ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት ሰሙናት ኣብ ረብሓ ንምውዓል መረጋገጺ ከምዝሓተተ ሞደርና ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ መረዳእታ ናይ መጀመርታ ኮይኑ እቲ ክታበት ኣመልኪቶም ዝለዓሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ገና ኣይተመለሱን፡፡

ክንደይ ዝኣክል የተኣማምን?

30 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፉሉ ፈተነ እዚ ክታበት፡ ንፍርቆም ክልተ ዶዝ ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ኣፈላላይ ዝተዋህቦም ኮይኑ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ዘይሰርሕ ወይ ናይ ሓሶት ክታበት ተዋሂብዎም።

እቲ መጽናዕቲ ኣብቶም ናይ መጀመርታ ኮቪድ-19 ዝሓዞም 95 ሰባት መሰረት ዝገበረ እዩ።

ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም ሓሙሽተ ካብቶም ሓቀኛ ክታበት ዝተዋህቦም እንትኾኑ፡ እቶም ዝተረፉ 90 ግና ካብቶም ናይ ሓሶት ክታበት ዝተዋህቦም እዮም።

እቲ ትካል ዘማዕበሎ ክታበት፡ 94.5 ምኢታዊት ንዝኾኑ ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከምዝከላኸል ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ፈተነ፡ ኣስታት 11 ብጽኑዕ ዝሓመሙ ከምዝነበሩ እቲ ሓሬታ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ካብቶም ክታበት ዝወሰዱ ግን ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ዝበጸሐ ከምዘይነበረ የመልክት።

ኣብ ሞደርና ላዕለዋይ በዓል ሞያ ጥዕና ታል ዛክስ፡ ‘‘ ብሓፈሻ ውጽኢታውነቱ ዘዕግብ እዩ፤ ጽቡቕ መዓልቲ እዩ’’ ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት አቲ ትካል ዶ/ር ስቴቨን ሆግ ድማ፡ እቲ ክታበት በዚ ደረጃ ክከላኸል እዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘይነበሮን ነቲ ውጽኢት ምስረኣየ አዐርዩ ከምዝተሐጎሰን ገሊጹ።

ነቲ ክታበት መዓዝ ክረኽቦ ይኽእል?

ነዚ ክታበት ናይ ምርካብ ዕድልካ፡ እቲ እትነብረሉ ከባብን ዕድመኻን እዩ ዝውስኖ።

ሞደርና፡ ነቲ ክታበት ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ናብ ተቖጻጸርቲ ኣመሪካ ከምዘቕርቦን፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 20 ሚልዮን ክታበታት ከምዝህልውዎን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝባጻሕ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ክታበታት ከፍርይ ከምዝኽእልን ካብ ካልኦት ሃገራት እውን መረጋገጺ ንምርካብ ከምዝተለመን ገሊጹ።

ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ን 2.5 ሚልዮን ሰባት ዝኸውን ኣስታት 5 ሚልዮን ክታበት ካብ ሞደርና ከምእትገዝእ ኣፍሊጣ ኣላ።

እቲ ካብ ጽድያ ጀሚሩ ክትህቦ ዝሓሰበት ክታበት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ድኹም ንዝኾነ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ቀዳምነት ዝህብ እዩ።

እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽንደይ ግዘ እዩ ዝጸንሕ?

ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽንደይ ዝኣክል ግዘ ከምዝጸንሕ ኣይፍለጥን፤ ብትኽክል ንምፍላጥ ነቶም ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ወለንተኛታት ንነዊሕ እዋን ክትትል ክግበረሎም ኣለዎ።

እቲ ክታበት ብኮቪድ ናይ ምሟት ዕድል ንዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክከላኸል ከምዝኽእል ኣአንፊቱ እዩ፤ እንተኾነ ሙሉእ ዝኾነ መረዳእታ የለን።

እቲ ክታበት ዓቕሙ ምስ ዕድመ ዝደክም ከምዘይመስል ዛክስ ንቢሲ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ክታበት ሰባት አዐርዮም ከይሓሙን ነቲ ቫይረስ ከየመሓላልፉን ዝገብር ብዛዕባ ምዃኑ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እዞም ኩሎም ስክፍታታት ክታበት እቲ ቫይረስ ብኸመይ ክውሰድ ኣለዎ ንዝብል ዝጸልዉ እዮም።

ጎናዊ ሳዕቤን ኣለዎዶ ?

ጎናዊ ሳዕቤን እዚ ሓድሽ ክታበት ኣመልኪቱ ዝተገለጸ ሓበሬታ የለን፤ ኮይኑ ግና ፓራሲታሞል ሓዊሱ ሙሉእ ብሙሉእ ጎናዊ ሳዕቤን የብሉን ዝበሃል መድሓኒት የለን።

ሕማም ጉበት፣ ፍልጸት ርእስን ቃንዛን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብ ገለ ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ተራእዮም እዮም።

ኣብ ለንደን ኢምፐርያል ኮሌጅ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ፒተር ኦፐንሸው፡ ‘‘እዞም ምልክታት ካብ ዝሰርሕን ጸቡቕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝፈጥርን ክታበት እንጽበዮም እዮም’’ ይብል።

ምስ ፒፊዘር ኣነጻጺርካ ኣየናይ ይሓይሽ?

ክልቲኦም ክታበታት፡ ኣካል ናይቲ ቫይረስ ‘ጀነቲክ ኮድ’ ብምውጋእ፡ ሰብነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከመንጩ ኣብ ምግባር ዝተመስረተ ኣካይዳ እዮም ዝኽተሉ።

ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ብዝምልከት ዘሎ ኣፈናዊ መረዳእታ ድማ ተመሳሳሊ እዩ፤ ፒፊዘር 90 ምኢታዊት እንትኾን ሞደርና ድማ 95 ምኢታዊት እዩ።

ኮይኑ ግና ክልቲኦም ኣብ ከይዲ ፈተነ ስለዘለዉ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ቁጽሪ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ክታበት ፒፊዘር ኣዐርዩ ዝሑል ኣብ ዝኾነ ኣስታት 75 ዲግሪ ሰንትግሬድ ትሕቲ ባዶ ክቕመጥ ኣለዎ፤ ኮይኑ ግና ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ መዝሓሊ (ፍሪጅ) ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሩስያ ዝማዕበለ ስፑትኒክ ቪ ዝተባህለ ክታበት እውን ኣስታት 92 ምኢታዊት ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሎ።

ከመይ እዩ ዝሰርሕ?

ሞደርና ‘‘ኣር ኤን ኤ ክታበት’’ እዩ ኣማዕቢሉ፤ እዚ ማለት ድማ ክፋል ጀነቲካዊ ኮድ እቲ ቫይረስ ናብ ሰብትና ብመርፍእ ይኣቱ ማለት እዩ።

እቲ ናብ ሰብነትና ዝኣተወ ቫይረስ፡ ሙሉእ ቫይረስ ዘይኮነስ ገለ ፕሮቲናት ቫይረስ ይሰርሕ፤ እዚ ድማ ሰብነትና ‘‘ኣንቲ ቦዲ’’ን ‘‘ቲ-ሴልስ’’ን ዝበሃሉ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ክፈጥር የኽእሎ።

ኮቪድ-19 መዓዝ ክጠፍእ ይኸውን?

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ ፒፊዘር፣ ሞደርናን ሩስያን ዝተረኸቡ ምዕባለታት ነቲ ለበዳ ደው ናይ ምባል ዕድል ከምዘሎ ኣርእዮምና እዮም።

ቅድሚ እዞም ውጽኢታት፡ ዋላ 50 ምኢታዊት ዝከላኸል ክታበት እንተዝርከብ ዝብል ትጽቢት እዩ ነይሩ።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለ ግና ክታበት ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ጽቡቕ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።

ካልኦት ኣብ ከይዲ ዘለዉ ክታበታ እውን ዕዉታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተስፋታት ኣለዉ፤ ኮይኑ ግና እቲ ጸገም ክታበት ብምርካብ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን።

ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዝርከቡ ቢልዮናት ሰባት ንምኽታብ ዝግበር ምጉዕዓዝ ኣዝዩ ከቢድ ዕዮ እዩ።

ገለ ሰብ ሞያ ኣብ ዝቕጽል ጽድያ፡ ገለ ድማ ሓጋይ ህይወት ናብ ንቡር ክምለስ ይኽእል እዩ እንትብሉ፡ ካልኦት ግና ገና ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየና እዩ ይብሉ።

እቲ መልሲ ሃገራት ቀልጢፈን እቲ ተስፋ ዝተገበረሉ ክታበት ንዜጋታተን ኣብ ምሃብ ዝተመስረተ እዩ።