ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሚክራቲክ ኮንጎ ብሰራሕኛታት ረድኤት ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ ክምርምር እዩ

እዛ ሰበይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ኢቦላ ዝተዋፈረ ዶክተር ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ግህሰት ከምዝፈጸመ ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Thomson Reuters Foundation

መግለጺ ስእሊ, እዛ ሰበይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ኢቦላ ዝተዋፈረ ዶክተር ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ግህሰት ከምዝፈጸመ ትዛረብ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ለበዳ ኢቦላ ይምክቱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንደቂ ኣንስትዮ ዓሚፆምን መዝሚዞምን ብዝብል ንዝቐረቡ ክስታት ከምዝምርምሮም ቃል ኣትዩ።

ክልተ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ ምርመራ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልእ ሰራሕተኛ ረድኤትን ብ 50 ደቂኣንስትዮ ተኸሲሶም ነይሮም።

ከም ክሲ ደቂኣንስትዮ እቲ ከባቢ፡ በቶም ሰራሕተኛታት በስገዳድ ብመስተታት ክሰኽራ፣ ኣብ ሆስፒታላት ብሃንደበት ክጥቀዓን ብሓይሊ ፆታዊ ርክብ ክፍፅማን ዝተገደዳ እንትኾና፡ ክልተ ደቂኣንስትዮ ድማ ጥንሲ ኣጋጢምወን።

እዚ ክሲ ካብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዝሸፍን እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ዘፃረዩ ቶምሳን ሮይተርስ ፋውንዴሽንን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣድሂቡ ዝሰርሕ 'ዘ ኒው ሁማኒተርያን ኒውስ ኤጀንሲ'ን ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ነዊሕ ምርምራ እዮም ኣካይዶም።

ነዞም ክስታት ኣዝዩ ብዕቱብ ከምዝምርምሮም ብመግለፂኡ ዘፍለጠ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ "ኣብዚ ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን ኣካል ተሓታቲ ከምዝኸውንን፡ ብቀጥታ ምብራር ሓዊሱ ረዚን ሳዕቤን ከምዝፅበዮን" ሓቢሩ።

"ኣብ ነገልግሎ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ሰባት ምኽዳዕ ፍፁም ክውቀስ ዝግበኦ እዩ" ኢሉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም።

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ነዚ ለበዳ ንምቁፅፃር ዓለማዊ ፃዕርታት ይገብር ዝነበረ ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ'ዩ፡ እቲ ለበዳ ከምዘብቅዐ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል'ውን፡ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ገለ ሰራሕተኛታቶም ተመሳሳሊ ክስታት ምቕራቦም ስዒቡ፡ ንፆታዊ ዓመፅ ከምዘይዕገሱ ምጥንቃቖም ይዝከር።

ኣብዚ ምርመራ ዝያዳ ዝተኸሰሱ መን እዮም?

መብዛሕትኦም ኣካል ክስታት እዚ ፆታዊ ዓመፅን ምዝመዛን፡ ዶካትር ውድብ ጥዕናዓለም ዝርከብዎም ደቂተባዕትዮ እዮም።

ነዚ ግህሰት እዚ ንዝፈፀሙ ደቂተባዕትዮ ድማ፡ ውሑዱ 30 ደቂኣንስትዮ ከምዝኸሰስኦም ሓበሬታ እተን ማዕከናት ዜና የረድእ።

እቲ ካልኣይ ድማ፡ ሸሞንተ ደቂኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሚኒስትር ጥዕና ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ዝኸፈትኦ ዝለዓለ ክሲ እዩ።

ኣብ ሓደ ጎደና ዴ.ሪ.ኮ

ምንጪ ስእሊ, Thomson Reuters Foundation

ካልኦት ክልተ ኤጀንስታት ሕቡራት ሃገራትን ኣርባዕተ ኣርባዕተ ትካላት ግብረ ሰናይን እውን ኣብዚ ፀብፃብ ተፀሪሖም እዮም።

ካብ ሞንጎ ኣብዚ ክሲ ዝተፀርሑ ደቂተባዕትዮ፡ ካብ ቤልጂየም፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጊኒ ኮናክሪን ኣይቮሪኮስትን ዝመፅኡ እዮም።

መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ነተን ግዳያት ክዕምፅወን ከለዉ፡ ኮንዶም ንምጥቃም ዝኣበዩ እንትኾኑ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ክልተ ደቂኣንስትዮ ከምዝጠነሳ፡ እተን ማዕከናት ዜና ፀብፂበን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ካልእ'ኸ እንታይ ኢለን?

ጓል 25 ዓመት ሰራሕተኛ ፅሬት፡ ብዛዕባ ምውዕዋእ ንምዝታይ ብዝብል፡ ናብ ናይ ሓደ ዶክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ መንበሪ ገዛ ትፅዋዕ እሞ፡ "ነቲ ማዕፆ ብምዕፃው፡ ቅድመ ኩነት ከምዘሎ ነጊሩኒ። 'ሕዚ ፆታዊ ርክብ ክንፍፅም ኣለና' " ከምዝበላ ገሊፃ።

"ክዳነይ ከውፅአለይ ጀሚሩ። ንድሕሪት ክሃድም ፈቲነ፡ ግና ሓይሊ ብምጥቃም ክዳውንተይ ምውፃእ ቀፂሉ። ክበክይ ጀሚረ፡ ንዕኡ እውን ንከቋርፅ ነጊረዮ፡ ግና ኣየቋረፀን። ካብኡ ነቲ ማዕፆ ከፊተ ጎይየ ወፅየ" ትብል።

ካልእቲ ካብ ኢቦላ ዝደሓነት ጓል 32 ዓመት ድማ፡ ንምምኻር ናብ ሆቴል ከምዝተዓደመት፡ ነቶም ማዕኸናት ዜና ገሊፃ።

ኣብቲ ኮሪደዮ፡ ልስሉስ መስተ ተዋሂባ ነይራ። ድሕሪ ሰዓታት ክትነቅሕ ከላ ግና፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሆቴል ጥራሕ ነብሳ፡ ንብሕታ እያ ነይራ፤ ከምዝተዓመፀት እውን ትኣምን።

ንምንታይ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ተመዝሚዘን?

መብዛሕትአን ደቂኣንስትዮ ስራሕ ንምርካብ ፆታዊ ርክብ ክፍፅማ ዝተገደዳ እየን። ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ምዝመዛ፡ "ፓስፖርት ንስራሕ" ኢላ ዝገለፀቶ እንክትኸውን፡ ካልእቲ ድማ "ቀሪቦም ብዓይኖም ብምርኣይ እዮም ዝቖፅርኻ" ትብል።

ሳንዱቕ ሬሳ ዝሓዙ ሰራሕተኛታት ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኢቦላ ኣብ ዴ.ሪ.ኮ ልዕሊ 2,000 ሰባት ቀቲሉ

እዘን ደቂኣንስትዮ ኣብ ምብራቓዊት ከማ በኒ፡ ኣብ ሹቓት፣ ኣብ ማእኸላት ምልመላ ስራሕን ስም ዝርዝር ዕውታት ሕፁያት ኣብ ዝተለጠፈሉ ሆስፒታላትን ከምዝተሓተታ እየን ዝገልፃ።

ካልእቲ ነቶም ማዕኸናት ዜና ቃላ ዝሃበት ጓልኣንስተይቲ ድማ፡ "ደቂተባዕትዮ፡ ንፆታዊ ርክብ ምሕታቶም ልሙድ እዩ ኮይኑ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ስራሕ ንምርካብ ዘሎ ኣማራፂ ንሱ ጥራሕ እዩ"

ካብተን ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, THOMSON REUTERS FOUNDATION

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ለበዳ ኢቦላ ንምቁጽጻር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዓሚፆምን መዝሚዞምን ዝብሉ ክስታት ከም ዝምርምሮም ቃል ኣትዩ።

ክልተ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ መርመራ፡ ኣባላት ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ብ 50 ደቂኣንስትዮ ተኸሲሶም ኣለው።

ደቂኣንስትዮ እቲ ከባቢ፡ በቶም ሰራሕተኛታት በስገዳድ መስተ ሰቲየን ክሰኽራ፣ ኣብ ሆስፒታላት ብሃንደበት ክጥቀዓን ብሓይሊ ፆታዊ ርክብ ክፍፅማን ዝተገደዳ ክኾና እንከዋ፡ ክልተ ደቂኣንስትዮ ድማ ጠኒሰን ኣለዋ።

እዚ ክሲ ካብ 2018 ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ዝሸፍን እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ዘፃረዩ፡ ሮይተርስ ፋውንዴሽንን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ' ዘ ኒው ሁማኒተርያን ኒውስ ኤጀንሲ'ን ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ነዊሕ መርምራ እዮም ኣካይዶም።

ነዞም ክስታት ኣዝዩ ብዕቱብ ከምዝምርምሮም ብመግለፂኡ ዘፍለጠ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ "ኣብዚ ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን ኣካል ተሓታቲ ከምዝኸውንን፡ ብቀጥታ ካብ ስራሕ ምብራር ሓዊሱ ረዚን ሳዕቤን ከምዝፅበዮን" ሓቢሩ።

"ኣብ ነገልግሎ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ሰባት ምኽዳዕ ፍፁም ክውቀስ ዝግበኦ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ነዚ ለበዳ ንምቁፅፃር ዓለማዊ ፃዕርታት ይገብር ዝነበረ ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ'ዩ፡ እቲ ለበዳ ከምዘብቅዐ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል'ውን፡ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ገለ ሰራሕተኛታቶም ተመሳሳሊ ክስታት ድሕሪ ምቕራቦም፡ ንፆታዊ ዓመፅ ከምዘይዕገሱ ከጠንቕቑ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ምርመራ ዝያዳ ዝተኸሰሱ መን እዮም?

መብዛሕትኦም ኣካል ክስታት እዚ ፆታዊ ዓመፅን ምዝመዛን ዝኾኑ፡ ዶካትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝርከብዎም ደቂተባዕትዮ እዮም።

ነዚ ግህሰት እዚ ንዝፈፀሙ ደቂተባዕትዮ ድማ፡ ውሑዱ 30 ደቂኣንስትዮ ከምዝኸሰስኦም ሓበሬታ እተን ማዕከናት ዜና የረድእ።

እቲ ካልኣይ፡ ሸሞንተ ደቂኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሚኒስትር ጥዕና ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ዝኸፈትኦ ክሲ እዩ።

ካልኦት ክልተ ኤጀንስታት ሕቡራት ሃገራትን ኣርባዕተ ትካላት ግብረ ሰናይን እውን ኣብዚ ፀብፃብ ተፀሪሖም ኣለው።

ካብ ሞንጎ ኣብዚ ክሲ ዝተፀርሑ ደቂተባዕትዮ፡ ካብ ቤልጂየም፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጊኒ ኮናክሪን ኣይቮሪኮስትን ዝመፅኡ እዮም።

መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ነተን ግዳያት ክዕምፅወን ከለዉ፡ ኮንዶም ንምጥቃም ዝኣበዩ እንትኾኑ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ክልተ ደቂኣንስትዮ ከምዝጠነሳ፡ እተን ማዕከናት ዜና ፀብፂበን።

ለበዳ ኢቦላ

ምንጪ ስእሊ, HOMSON REUTERS FOUNDATION

እተን ደቂ ኣንስትዮ ካልእ'ኸ እንታይ ኢለን?

ጓል 25 ዓመት ሰራሕተኛ ፅሬት፡ ብዛዕባ ስራሕ ንምዝታይ ብዝብል፡ ናብ ናይ ሓደ ዶክተር ውድብ ጥዕና ዓለም መንበሪ ገዛ ትፅዋዕ እሞ፡ "ነቲ ማዕፆ ብምዕፃው፡ ቅድመ ኩነት ከምዘሎ ነጊሩኒ። 'ሕዚ ፆታዊ ርክብ ክንፍፅም ኣለና" ከምዝበላ ገሊፃ።

"ክዳነይ ከውፅአለይ ጀሚሩ። ንድሕሪት ክሃድም ፈቲነ፡ ግና ሓይሊ ብምጥቃም ክዳውንተይ ምውፃእ ቀፂሉ። ክበኪ ጀሚረ፡ ንዕኡ እውን ንከቋርፅ ነጊረዮ፡ ግና ኣየቋረፀን። ካብኡ ነቲ ማዕፆ ከፊተ ጎይየ ወፅየ" ትብል።

ካልኣይቲ ካብ ኢቦላ ዝደሓነት ጓል 32 ዓመት ድማ፡ ንምምኻር ናብ ሆቴል ከምዝተዓደመት፡ ነቶም ማዕኸናት ዜና ገሊፃ።

ኣብቲ ኮሪደዮ፡ ልስሉስ መስተ ተዋሂባ ነይራ። ድሕሪ ሰዓታት ክትነቅሕ ከላ ግና፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሆቴል ጥራሕ ነብሳ፡ ንብሕታ እያ ነይራ፤ ከምዝተዓመፀት እውን ትኣምን።

ኣብ ኮንጎ ከባቢ 2000 ሰባት ካብ ለበዳ ኢቦላ ሞይቶም እዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንምንታይ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ተመዝሚዘን?

መብዛሕትአን ደቂኣንስትዮ ስራሕ ንምርካብ ፆታዊ ርክብ ክፍፅማ ከምዝግደዳን፡ እዚ ድማ ብቀሊሉ ስራሕ ንክረኽባ ዕድል ከምዝፈጥረለን ይገልጻ።

እዘን ደቂኣንስትዮ ኣብ ምብራቓዊት ከማ በኒ፡ ኣብ ማእከላት ዕዳጋን፣ ስራሕ ኣብ ዝናድዩሉ እዋንን ከምዝሕተታ እየን ዝገልፃ።

ነቶም ማዕኸናት ዜና ቃላ ዝሃበት ጓልኣንስተይቲ ከምዝሓበረቶ፡ "ደቂተባዕትዮ፡ ንፆታዊ ርክብ ምሕታቶም ልሙድ እዩ፡ ምኽንያቱ ስራሕ ንምርካብ ዘሎ ኣማራፂ ንሱ ጥራሕ እዩ" ኢላ።