ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ብዓለታዊ ግጭት 900 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጥት፡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ኣስታት 890 ሰባት ከም ዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።
እሙናት ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ግጭት ኣብ 4 ዓድታት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ባኑኑን ባትነደን ዝተባህሉ ቀቢላት ከም ዝነበረ ከኣ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ኣረዱኡ።
ዝበዝሕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበር ህዝቢ ካብ ቤቱ ተመዛቢሉ ከም ዘሎ'ውን ተፈሊጡ።
ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ እዚ ግጥት ኣብ ከባቢ ዩምቢ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ እዩ።
እቲ ቀቢላዊ ግጭት ካብ 16 ክሳብ 18 ታሕሳስ ከም ዝነበረ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይብል?
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ 465 ገዛውትን ካልኦት ህንጻታትን፤ ኣብያተ-ትምህርቲ፤ ማእከላት ጥዕና ፤ ዕዳጋ ከምኡ'ውን ቤት-ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ከም ዝዓነወ ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ እቲ ዓለታዊ ግጭት፡ ኣስታት 16,000 ሰባት ሩባ ኮንጎ ሰጊሮም ኣብ ጎረበት ሃገር ኮንጎ ብራዛቪል ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ግጭት መልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እዚ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ብቅልጡፍ ክምርመርን እቶም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ ከም ዘሎዎምን ኣመልኪታ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 82 ሰባት ከም ዝቆሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን እቲ ቁጽሪ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝዛይድ ሓቢሩ'ሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቤት-ጽሕፈቱ መርመራ ከም ዝጀመረ'ውን ኣፍሉጡ።
ዩምቢ ዝተበሃለ ክፍለ ሃገር ከም ሰለማዊ ቦታ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
እቲ ዓለታዊ ግጭት፡ ዓለት ባኑኑ ባህለዊ መራሒኦም ኣብ መሬት ባተንደ ክቐብርዎ ምስ ፈተኑ ከም ዝተወለዐ ይዝረብ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



