መረፃ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ መጋረጃ ዝተወድአ ከምዝኾነ ይግለፅ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ኣብ መረፃ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካልኦት መነሓንሕነቲ ውድባት ፖለቲካ ንከይዕወቱ ምስ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ከም ዝተስማዕምዑ ይግለፅ ኣሎ።
ንካልእ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ (ሰልፊ) ወኪሎም ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ማርቲን ፋዩሉ ኣብቲ መረፃ ንክዕወቱ ዕድል ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ ሓቃውነት ውፅኢት እቲ መረፃ ዘጠራጥር ከምዝኾነ ርኢቶታት ይወሃቡ ኣለዉ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እታ ሃገር ውፅኢት እዚ መረፃ ካብ ናቑጣታት መረፃ ንዝተኣከበ ድምፂ ዘየንፀባርቕን ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ዝተወድአ ጉዳይ ከምዘሎ ክትሓትት ከምዘገድድ ሓቢራ።
ውፅኢት እዚ መረፃ ዝነፀጉ ማርቲን ፋዩሉ ድማ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ጉጅለታት ሲቪል ማሕበራትን ክድግፍዎም ከምዝኽእሉ ይግለፅ።
ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ፡ ካብ ቤልጄም ኣብ 1960 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ፀገማት ፀጥታን ዝነበራ እንትኸውን፡ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን እንክትገብር እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







