ኣብ ኢትዮጵያ ብውሕዱ 40 ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ተገይሩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ ብሄር ምትፍናን፡ ነቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቀንዲ ብድሆ ምዃኑ ይግለጽ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብውሕዱ 40 ሰበስልጣን ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ሓቢሩ። እቲ ስጉምቲ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ኩነታት ዝተወስደ'ዩ።

ብውሕዱ 10 ካብኣቶም መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 5 ወረዳታት ናይቲ ክልል፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ብቐጻሊ ክረአ ዝጸንሐ ጎነጽ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ሰራዊት እታ ሃገር ይመሓደሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

መንነቶም ብንጹር ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕትታት ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣማኢት ድማ ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለትን ምፍንቓልን ከምዘሻቐሎ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 4 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 15 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ'ውን፡ 30 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም። እቲ ቁጽሪ ክሳብ 80 ክበጽሕ ከምዝኽእል ተጣበቕቲ ይዛረቡ።

ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራን ኣገውን ምዃኖም'ውን ጸብጻባት ይገልጹ።

መንነት ናይቶም ዕጡቓት ክሳብ ሕጂ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ብሰንበት፡ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ሰብመዚ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ እኹል ጻዕርታት ኣየካየዱን ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ "ትዕግስቱ ይጽንቀቕ ኣሎ" ክብል ኣፈኛ ክልል ኣምሓራ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣሻቓሊ ናይ ብሄር ምትፍናን፡ ነቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቀንዲ ብድሆ ምዃኑ ይግለጽ።