ክራይስስ ጉሩፕ ንኢትዮጵያ ኣብ 2020 ዝኸፍአ ጎንጺ ከጋጥመን 10 ሃገራት ብሳልሳይ ደረጃ ሰሪዑ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ - ቢሾፍቱ ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተሰኣለ - 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ምክልኻልን ኣተኣላልያን ጎንጺ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል ክራይስስ ጉሩፕ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣብ 2020 ዝኸፍአ ጎንጺ ከጋጥመን ዝኽእላ 10 ሃገራት ዓለም እያ ክብል ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ኣፍጋኒስታንን የመንን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ ኣሎ።

ቡርኪናፋሶ፣ ሊብያ፣ ኣሜሪካ-ኢራን-እስራኤልን ገልፍን [ኩለን ኣብ ሻድሻይ ደረጃ]፣ ኣሜሪካ-ሰሜን ኮርያ፣ ካሽሚር፣ ቬነዙወላን ዩክሬንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ክሳብ 10ይ ተሰሪዐን ይርከባ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ?

ክራይስስ ጉሩፕ ኣብ ጸብጻቡ ከምዝሓበሮ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2020 ተስፋን ፈተናን ኣብ ቅድሚኣ ይጽበይዋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝፈጸመ ብምዝኽኻር እንተኾነ ግን ዓበይቲ ብድሆታት ኣንጸላልዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

"ኣብዪ ዘምጽኦ ሊበራላይዜሸንን ዝነበረ ስርዓት ንምቕያር ዝገበሮ ጻዕርታትን ንዓሌታዊ ብሄርተኝነት ኣጎሃሂሩ ንማእከላይ መንግስቲ ኣዳኺምዎ'ሎ" ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ዝገንፈለ ዓሌታዊ ግጭት፡ ንብዙሓት ከምዝተቐተለ፣ ሚልዮናት ከምዘፈናቐለን ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ሓያላት ክልልላት ጽልኢ ክጓሃሃር ከምዝገበረ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ሞንጎ'ቶም ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝድግፉን ዝቃወሙን ሓይልታት ዘሎ አፈላላይ'ውን ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጋድዱ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ገሊጹ።

"ነዚ ዝድግፉ ኣካላት እቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝም ንመሰላት ጉጅለ ከምዘውሕስ ክገልጹ ከለዉ፡ ዝቃወሙ ድማ ንሃገራዊ ሓድነት ከምዝጎድእ የረድኡ" ይብል ክራይስስ ጉሩፕ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ለውጢ ተስፋ ዝሓዘ እንተኾነ'ኳ ሓደጋታት እውን ብስፍሓት ኣብ ቅድሚት ከምዘለዉ ሓቢሩ'ሎ።

"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ውሽጢ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝሓሸ ርክብ ክህልው ዘኽእል ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ" ዝበለ ክራይስስ ጉሩፕ፡ ኣብ እዋን ለውጢ ንዘሎ ያዕያዕታ ክቆጻጸር ኣተሓሳሲቡ።

እታ ሃገር ልክዕ ከም ዩጎዝላቪያ ክትበታተን ከምእትኽእል ዘጠንቅቑ ኣካላት ከምዘለዉ ብምዝኽኻር ድማ እዚ ነቲ ቀደሙ'ውን ኣብ ከቢድ ጸገማት ዘሎ ዞባ [ቀርኒ ኣፍሪቃ] መዕነዋይ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ገሊጹ።

እዚ ንከይኸውን ድማ ዓለም-ለኻዊውያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያ፡ ሹመኛታታት እታ ሃገር ካብ ኣባራዒ ዘረባታቶም ክቑጠቡ ጸቅጢ ክገብራ ሓቲቱ።