ኣብ ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ዘጽንዓ ምዕቡላት ቤተ-ምርምር ክኸፈታ'የን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ውድብ ጥዕና ዓለምን ማእከል ምልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ሕነት-ሰረት (genome) ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጽንዓ ምዕቡላት ቤተ-ፈተነታት ከምዝኽፈታ ተገሊጹ።
እቲ ተበግሶ ምኽፋት ማእከል ምርምር፡ እኹል ምድላዋት ንምግባር ክሕግዝን ጥዕና ሕብረተሰብ ዝያዳ ንሓደጋ ከይቃላዕን ተባሂሉ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።
ክኢላታት ውድብ ጥዕና ዓለምን ማእከል ምልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ዝተኸፈተ ማእከል ምርምር ተሓጊዘን ብዛዕባ ቫይረስ ሳርስን ኮቭድ-2 ዘለወን ኣፍልጦ ክብ ክበል ከምዝኽእል እዮም ዝጠቅሱ።
ሃገራት በዚ ምርምር ተሓጊዘን ኣብ ኣተሓሕዛ ኮቪድ 19 ግቡእ ግብረ መልሲ ንኽህባ፡ ኣብ ምሕካም ሕሙማት ኣፍልጦአን ንኽብርኽ፡ መድሃኒትን ክታበትን ኮቪድ 19 ምስ ተረኸበ’ውን ንብዝሒ ህዝበን ኣብ ግምት ኣእትየን ውዳቤኤን ከሐይላ ዝሕግዝ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
12 ምዕቡላት ቤተ ምርምር ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝኽፈታ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።
ማእከል ምልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻቡ፡ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ብምዝማድ ኣብ ኣፍሪቃ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስን ዝሰዓበ ሞትን ትሑት ምዃኑን፡ እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ እናውሓደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕበር ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ እዚ ምዕቡል ቤተ ፈተነ ክኸፈት ሓሳብ ቀሪቡ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ እኹል መርመራ ይግበር ስለዘየሎ፡ እቲ ትሑት ቁጽሪ ነተን ሃገራት ከዛንየን ከምዘይብሉ’ዩ ዝምዕድ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







