ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 'ኣፍሪቃ 220 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ-19 ክውሃባ’ዩ'

መርፍእ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክታበት ኮቪድ-19 ምስ ተረኸበ ኣፍሪቃ 220 ሚልዮን ካብቲ ክታበት ከምዝውሃባ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

እቲ ክታበት፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕክምናን: ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ንዘሎዎም ብቐዳምነት ከምዝውሃብ ኣካያዲ ስራሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ ሪቻርድ ሚሂጎ ገሊጹ።

ሚሂጎ: 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ኮቪድ 19 ንክረኽባ ሃንቀው ኢለን ይጽበያ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ምምቕራሕ ክታበት ኮቪድ-19 ንብዝሒ ህዝቢ ሃገራት ኣብ ግምት ኣትዩ ከምዝዕደል’ውን ኣብሪሁ።

ኣፍሪቃ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ኮቫክስ ዝተብሃለ ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ዝግብር ዘሎ ጻዕርታት ዝከታተልን ዘማእክልን ዓለምለኻዊ ትካል 2 ቢልዮን ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ 2021 ብርትዓዊ ኣገባብ ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ሓሊኑ’ዩ ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ኮቫክስ ትሽዓተ ፈተነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ክልተ ካብዞም ክታበታት ኣብ ኣፍሪቃ ይፍተኑ ከምዘለዉ ሓላፊ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት ሪቻርድ ሃቸት ይገልጽ።

ኮሮና