ለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከብቅዕ'ዩ' ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ንሱ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: እቲ ኣብ 1918 ተኸሲቱ ዝነበረ ለበዳ ስፓንሽ ፍሉ: ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንክኣቱ ክልተ ዓመተ ከም ዝወሰደ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ቴክኖሎጅን ትምህርትን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና ኢሉ።

ብኻልእ ወገን "ብሰንኪ እቲ ዘሎ ናይ ደቂ-ሰባት ምትእስሳርን ምትሕንፋጽን" እቲ ቫይረስ ብቀሊሉ ክዝርጋሕ ዕድል ከም ዘለዎ እውን ኣጠንቂቑ።

እዚ ብ1918 ዝተራእየ ቀታሊ ዝኾነ ኢንፍሉወንዛ (ስፓንሽ ፍሉ) ብውሑድ ከባቢ 50 ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐተለ ይንገረሉ።

ኮሮናቫይረስ፡ ከሳብ ሕጂ ኣስታት 800,000 ሰበት ቐዚፉ ኣሎ፤ ኣስታት 22.7 ሚልዮን ሰባት ከኣ ተለኺፎም ኣለው።

ዶ/ር ኣድሓኖም፡ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ብዛዕባ ብልሽውናን ስርቅን መከላኸሊ ናውቲ ሕክምና ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ነቶም ንብረት ዝሰርቁ ዘለው "ገበነኛታት" ክብል ገሊጽዎም።

"ዝኾነ ዓይነት ብልሽውና ቕቡል ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።

"መከላኸሊ ናይቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ሰባት ከድሕኑ ዝጓየዩ ዘለው ሰብ ሞያ ሕክምና ምስራቕ ከም ቕትለት እዩ ዝሕሰብ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት መከላኸሊ እንተዘይብሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ'ዩ" ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ኣብ ዝተፈለለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ተራእዩ እዩ።

ትማሊ ዓርቢ'ውን ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ብስእነት መከላኸሊ ናውቲ ሕክምናን፡ ምድንጓይ ክፍሊት ደሞዝን ካብቲ ዝሰርሕዎ ሆስፒታላት ወጺኦም ኣድማ ገይሮም እዮም።

ኬንያዊ ሐኪም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዘርጋሓ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኤሽያን ኤውሮጳን

ትማሊ ዓርቢ ብዙሓት ሃገራት ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊበን።

ደቡብ ኮርያ ንነዊሕ እዋን ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእቲያቶ ዝነበረት ከባቢ 324 ሓደሽቲ መልከፍቲ ረኺባ።

እቲ ሓድሽ መልከፍቲ ካብ ኣብያተ ጸሎት፡ ቤተ-መዘክርን ለይታዊ ትልሂት ዝነቐለ'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ'ውን ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ሃገራት ፖላንድ፡ ስጳኛ ከምኡ'ውን ፈረንሳ መዓልታዊ ቁጽሪ ብከሮናቫይረስ ዝተለኽ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኮሮና