ኣብ መገዲ ባቡር ዝደቀሱ 16 ህንዳውያን ብባቡር ተረጊጾም

ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ መዚ ህንዲ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ግዝኣት ማሃራሽትራ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቂሶም እንከለዉ ብባቡር ዝተረገጹ 16 ሰባት ክጻረ ኣዚዞም።

እዞም 16 ህንዳውያን ካብቲ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ከተማ ናብ መበቆል ዓዶም ብእግሮም እናኸዱ እንከለው፡ ደኺሞም ኣብ መንገዲ ባቡር ድቃስ ምስ ወሰዶም እዮም ብባቡር ተረጊጾም።

ህንዲ ኣዋጅ ዕጽዋ ድሕሪ ምድንጋጋ፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ዝሰርሑ ህንዳውያን ናብ መበቆል ዓዶም ንኽምለሱ ፍሉይ መስመራት ባቡር ብምድላው ነናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ትርከብ።

እቲ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህንዳውያን ካብተን ዝሰርሑለን ዝነበሩ ከተማታት ናብ መበቆል ዓዶም ንምኻድ መዓልታት ብእግሮም ክጉዓዙ ከምዘተገደዱ እዩ ዝግለጽ።

ሰብ መዚ መጓዓዝያ ባቡር ህንዲ እዞም 16 ሰባት ናብ ኣውራንጋባድ ኣብ ዘወስድ መስመር መንገዲ ባቡር ከምዝተረገጹ እዮም ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት፡ 36 ኪሎሜተር ብእግሮም ድሕሪ ምጉዓዝ ደኺሞም ኣብቲ መንገዲ ባቡር ከዕርፉ ምስ ተገምበዉ እዩ ድቃስ ወሲድዎም።

ገለ ገለ ጸብጻባት'ውን፡ እዞም ዝተረገጹ ሰባት፡ ህንዲ ኣብ ዕጽዋ ስለዘላ ትንቀሳቐስ ባቡር የላን ብምባል ቀሲኖም ከምዝደቀሱ እየን ዝገልጻ።

ኣብ ህንዲ ዝርከባ ዓበይቲ ፋብሪካታት ኣብ 24 መጋቢት ምስ ተዓጸዋ ኣብዘን ፋብሪካታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ህንዳውያን ናብራ ከተማ ስለዝኸበዶም ነናብ መበቆል ዓዶም ክኸዱ ከምዝተገደዱ እዩ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ።

ህንዲ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ነቲ ገለ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ስለዘላሕላሓቶ፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ዝተዓጽዉ እሞ ናብ መበቆል ዓዶም ክኸዱ ዝደልዩ ፍሉይ መስመር መጓዓዝያ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ብምድላው ክትመልሶም ጸኒሓ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ብሞት እዞም 16 ህንዳውያን ዝተሰመዖ ሓዘን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ኣሎ።

ኮሮና
ኮሮና