ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?

ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

ጸብጻብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 64,214 በጺሑ።

ካብዚኦም እቶም 22,243 ክሓውዩ እንከው፡ ከባቢ 2293 ድማ ሞይቶም ኣለው።

ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ እገዳታት ከፍኩሱ ጀሚሮም ኣብ ዘለውሉ እዋን ግን መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ናይጄሪያ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝወጽኡ ሕግታት ዕጽዋ ዝጠሓሱ ክልተ ሆቴላት ፈሪሶም።

ኣመሓደርቲ ናይዘን ኣብ ግዝኣት 'ኖርዘርን ሪቨርስ' ዝርከባ ክልተ ሆቴላ ድማ ስግኣት ምልባዕ እዚ ቫይረስ ፈጢሮም ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም።

ኣብ ናይጄሪያ ኣስታት 4,500 ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ከምዘለውን፡ 140 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።

ኬንያ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጋጥም ዝኽእል ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብዝብል 7000 እሱራት ፈቲሓ።

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መልከፍቲ ክልተ ሰባት ከም ዘጋጠመን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ መላእ ሃገር መርመራ ኮሮናቫይረስ ከም ዝጀመረን ተገሊጹ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሱዳን፡ ንጁቡቲ በሊጻ ብብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ኣለውዋ። እዚ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮይኑ 1400 በጺሑ ኣሎ።

ብሰንኪ ኲናት ዝዓነው ስርዓት ጥዕና ዘለዋ ሶማሊያ ድማ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣለውዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ዝርኣየላ ዘሎ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይና፡ ሎሚ መዓልቲ ሓደሽቲ 637 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ረኺባ።

ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 10652 በጺሑ'ሎ። በዚ ቫይረስ ድማ 206 ሞይቶም ኣለው።

ኮሮና
ኮሮና