ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ጋምቤላ ዝተሓሰበ መጥቃዕቲ ከም ዝፈሸለ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላን ካልኦት ሰበስልጣን እቲ ክልልን ፈተነ ቅትለት ብምክያድ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ምስ ምኽትሉ፣ ኣፈ ጉባኤ፣ ምኽትል ኣፈ ጉባኤን ንዝርከብዎም ሰለስልጣን እቲ ክልል ክቐትሉ ፈቲኖም ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሰባት'ዮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ።
እቶም ሰበስልጣን 22 ነሓሰ 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዞባ ኣኙዋ ምስ ሕብረተሰብ ዘተ ንምግባር ከም ዝተጓዓዙ ይግለጽ።
ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ጋምቤላ ቱር ኮር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ብርእሰ ምምሕዳር ዝምራሕ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ወረዳ ጎንግ ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ ናብ ዞባ ኣኙዋ ወረዳ ጆር ጉዕዞ ዝገበረ።
ዕላማ እቲ ጉዕዞ ነቲ ከባቢ ንምርኣይ፣ ኩነታት ሓደጋ ውሕጅ ንምዕዛብን ምስ ነበርቲ ንምዝታይን እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድማ ዝተወደቡ መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን እቲ ክልል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ፈተነ ከም ዝገበሩ ኣረጋጊጽና ኢሉ ኮሚሽነር ቱር ኮር።
ንሱ ከምዝብሎ እቲ መጥቃዕቲ ቅድመ ምድላው ዝተገበረሉ'ዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ብሓለውቲ እቶም ሰበስልጣን ክኸሽፍ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቡ።
ከመይ ተፈጺሙ?
ምስቲ ፈተነ ብዝተሓሓዝ 19 ተጠርጠርቲ ሽዑ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ እቲ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ጋምቤላ ሓቢሩ።
"እቶም ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ካብ ጋምቤላ እንተኾኑ'ኳ ሓደ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ዶክተር'ውን ምስኦም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ" ኢሉ።
እቲ ውልቀሰብ ነቶም መናእሰይ ካብ ምውዳብ ብተወሳኺ ብስሙ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ከም ዘምጸአ እቲ ምኽትል ኮሚሽነር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ኢድ እቶም መናእሰይ ከኣ ድምጺ ኣልቦ መሳርሕታት ምስ ሓደ ሽጉጥ ዝተረኸበ ኮይኑ ተወሳኺ ምጽራይ እናተኻየደ እዩ።
ተጠርጠርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ጎንጺ ብምፍጣር ኣንፈት ንምቕያር ፈተነ ከም ዝገበሩ እቲ ምኽትል ኮሚሽነር ተዛሪቡ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ብምግላጽ ድማ ክትትል ክካየድ ምጽንሑ ኣዘኻኺሩ።
ምስቲ ፈተነ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ዛጊት 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ገና ዘይተትሓዙ ከምዘለዉን ወሲኹ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







