ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝተወለዐ ጎንጺ 17 ሰባት ተቐቲሎም 20 ሽሕ ተፈናቂሎም

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሞንጎ ዞባ ኮንሶን ወረዳ ኣሌ ልዩንን ብዝተበገሰ ናይ መሬት ባእሲ፡ ብውሑድ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 21 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
እቲ ጎንጺ ብናይ መሬት ይግብኣኒ ብዝተሓሓዝ ከም ዝተላዕለ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ኣቶ ካራ ማሞ፡ እዚ ሕቶ ዝጸንሐን መሰረታዊ ፍታሕ ንምሃብ ምስ ኣመሓደርቲ ክልቲኡ ከባቢ ዘተ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ኣረዲኡ።
ሓላፊ መምርሒ ጸጥታን ሰላምን ዞባ ኮንሶ ኣቶ ሓሰን ወላሎ ብወገኑ፡ ኣብ ሞንጎ ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ዞባ ኮንሶን ኣብ ዝርከብ ክላስተር ኮለኔ ናይ ኣግራብ መሬት ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ሓረስቶት ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ነቲ ሕዛእቲ ብምጉባጥ ብዘይ ኣገባብን ብዘይሕጋውን ክጥቀምሉ ከም ዝጀመሩ ተዛሪቡ።
እቲ ጎንጺ ሰንበት ከም ዝጀመረ ዝገለጹ ክልቲኦም ሓለፍቲ፡ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ኮንሶ ዞን ድማ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ ፍሉይ ወረዳ ዝቖሰሉ እኳ እንተለው፡ እቲ ጸብጻብ ጌና ይጻፈፍ ከም ዘሎ እቲ ኣመሓዳሪ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብወገን ኮንሶ ዞን ትሸዓተ ሰባት ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐም ኣቶ ሓሰን ሓቢሩ።
እዚ ግጭት ክልቲኦም ከባቢታት ኣብ ዝዋሰንሉ ኮለኔ ክላስተር ዝተባህለ ከባቢ ዘጋጠመ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ጸገም ናብ ካልኦት መዋስንቲ ከባቢታት ቱሩ ክላስተር ዘሊቑ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክዘናበሉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣቶ ሓሰን ኣረዲኡ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኮለኔ ክላስተር ዝነብሩ ዝነበሬ 15 ሽሕ ነበርቲ ብሙሉኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቱሩ ክላስተር ዝነበሩ ልዕሊ 6000 ነበርቲ'ዮም ግዳያት ምምዝባል ኮይኖም።
ብሰንኪ እዚ ህዝባዊ ግጭት ካብ ኮንሶ ኣርባዕተ ዓድታት ክቃጸላ እንከለዋ ክልተ ዓድታት ድማ ብኸፊል ከም ዝተቓጸላ ኣቶ ሓሰን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነቲ ህዝባዊ ምስሕሓብ ሓይልታት ጸጥታ ክቀጻጸርዎ እኳ እንተፈተኑ፡ ህዝቢ ኣንፈታት እናቀያየረ ይጋጮ ብምህላዉ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ኣብቲ ምስ ዞባ ኮንሶ ዝዳወባ ዓድታት ዝርከቡ ሽማግለታት ነቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ብምግለጽ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ ክበጽሑ ከም ዘይክኣሉ ሓቢሩ።
ኣቶ ሓሰን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ወገናት ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥም እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት ይፍታሕ ከም ዝነበረ ብምሕባር፡ ሕጂ ግን ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዕጡቃት ስለ ዝተሓወስዎ ነቲ ነገር ዝያዳ ከምዝሓላለኾ ብምግለጽ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ዕጡቃት ኢዶም ምሕዋሶም ይኸስሶም።
ኣማሓዳሪ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ኣቶ ካራ ማሞ ብወገኑ፡ ኣብ ወረድኦም'ውን ሞት ከምዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ብምጽራይ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።"ኣብ ወረዳና ህይወት 6 ሰባት ጠፊኡ'ሎ። ብዝሒ ዝቖሰሉ ሰባት እውን ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ እዩ ዝርከብ። ሎሚመዓልቲ'ውን ዝቖሰሉ ኣለዉ። ሰፊሕ ከባቢ ብምዃኑ መረዳእታ ናይ ምእካብ ስራሕ እናተኻየደ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዝዓነዉ ገዛውቲ ብምእታው ዛጊድ ዝተኻየደ ፈተሻ የለን። ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ዝስማዕ ተኹሲ ኣሎ" ኢሉ።
ነቲ ህዝባዊ ምስሕሓብ ሓይልታት ጸጥታ ክቀጻጸርዎ እኳ እንተፈተኑ፡ ክሳብ ሎሚመዓልቲ ክሰምር ከምዘይከኣለ ሓላፊ መምርሒ ሰላምን ጸጥታት ዞባ ኮንሶ ኣቶ ሓሰን ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ወገናት ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥም እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት ይፍታሕ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ ኣቶ ሓሰን፡ ሕዚ ግን ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዕጡቃት ስለዝተሓወስዎ ነቲ ነገር ዝያዳ ከምዝሓላለኾ ኣረዲኡ።አቶ ካራ ማሞ ኣብቲ ጎንጺ ኣመሓደርቲ እቲ ፍሉይ ወረዳ ተሳቲፎም እዮም ንዝብል ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ምጽራይን ግቡእ መርመራን ከይተገበረ ምዝራብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ፤ ሕጂ ነቲ ከባቢ ናይ ምርግጋእ ስራሓት ይሰርሑ ከም ዘለውን ኣብ ቀጻሊ ተጻርዩ፡ ነቶም ዝተሳተፉ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣረጋጊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







