ጆ ባይደን፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ሰልፊ ዲሞክራት ኮይኑ ተሰይሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጆ ባይደን ሎሚ ብዕሊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሰልፊ ዲሞክራት ኮይኑ ኮይኑ ክሽየም ከሎ፡ ዓበይቲ ቀዳሞት መራሕቲ ኣመሪካ ኣብቲ ጽምብል ተረኺቦም።
ካብ ሰልፊ ዲሞከራት፡ ቀዳሞት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ቢል ክሊንተንን ጂሚ ካርተርን ከምኡ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር፡ ኮሊን ፓወልን ኣብቲ ጽምብል ተረኺቦም ነቲ ሽሞት መሪቖም ኣጽዲቖም።
ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ብ 'ኦቫል ኦፊስ' ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ 'ቅልውላው' ኣእትይሉ ክብል ኣቆናጽይዎ።
ሚስተር ባይደን ኣብ እዋን ባራክ ኦባማ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ እዩ ኣገልጊሉ።
ሕዚ ድማ፡ ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ብዝተኣከበ ድምጺ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ሰልፊ ዲሞክራት ኮይኑ ተሰይሙ።
ባይደን ንፕረዚደንትነት ሕጹይ ኮይኑ እንትቐርብ ንሳልሳይ ግዜኡ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ 1998ን ከምኡ'ውን ኣብ 2008 ጎስጒሱ ተወዳዲሩ፡ ዲሞክራት ክስዕሩ ገይሩ እዩ።
ሚስተር ክሊንተን፡ ኣመሪካ ምዕብልቲ ኢንዱስትርያዊት ሃገር እንተኾነት'ኳ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ብዝሒ ስራሕ ዝሰኣኑ ሰለስተ ዓጽፊ ዝኾነሉ ኩነታት ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኢሉ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ዓብዪ እጃም ክጻወት ትጽቢት ዝግበረሉ'ኳ እንተኾነ፡ ንባዕሉ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ኢልዎ።
ነቶም ኣብ ኣመሪካ፡ ዝረአዩ ዘለዉ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእል፡ ሰልፊ ዲሞክራት ከምዝኾነ እቶም ቀዳሞት ፕረዚደንታት ኣመሪካ ተዛሪቦም።
ኮሊን ፓውል፡ ብወገኑ ኣመሪካ ኣብ እዋን ትራምፕ ዝሰኣነቶም ጸጋታት መሊሳ ክትረከብ እትኽእል፡ ጆ ባይደን እንተተስዒሩ እዩ ብምባል፡ ድጋፉ ኣንቢርሉ።
ሚስተር ፓወል፡ ኣብዝሓ ግዜ ድጋፉ ንሰልፊ ሪፐብሊካን ዝነበረ እንተኾነ'ኳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምስ ትራምፕ ተጋጭዩ ፡ ነቲ ፕረዚደንት ሓሳዊ' ከምዝበሎ ዝዝከር እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







