'ካብ ሎሚ ጀሚሩ ጉዳይ ወላይታ ንቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ጥራይ እዩ ዝምልከቶ'

ምንጪ ስእሊ, ETHOPAN INSIDER
ዞባ ወላይታ ኣብ ባይቶ ክልል ደቡብ 39 መናብር ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተወከልቲ እቲ ዞባ ግን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብቲ ክልላዊ ባይቶ ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ ይሳተፉ ከምዘየለዉ ኣፍሊጦም'ዮም።
ኣብቲ ጉባኤ ንዘይምስታፍ ዝወሰኑሉ ቀንዲ ምኽንያት ከረድኡ ከለዉ ድማ ህዝቢ እቲ ዞባ "ብደረጃ ክልል ንኽጣየሽ ናብቲ ባይቶ ዘቕረቦ ክስማዕ ኣይከኣለን" ይብሉ።
ዞባ ወላይታ ብደረጃ ክልል ንክቐውም ዘቕረቦ ሕቶ ከይተረኣየ ብምትራፉ ናብ ባይቶ ፌደሬሸን ኢትዮጵያ ይግባይ ከምዝቐረበ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዞባ ወላይታ ወይዘሮ ኣበበች እራሾ ንቢቢሲ ተዛሪባ።ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ንዘይምስታፍ ዝወሰንኩምሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ?ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ብሄር [ዞባ] ወላይታ ርእሰ ምምሕዳራዊ ክልል ንምጥያሽ ቅድሚ ሓደ ዓመት'ዩ ናብ ባይቶ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ደቡብ ሕትኡ ዘቕረበ። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ከኣ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መልሲ ምሃብ ግድን ነይሩ።
ህዝበ ውሳነ ክካየድ ክገብር እንተበነሮ'ኳ ነዚ ብዘይምግባሩ ኣብ ዞባ ወላይታ ከቢድ ወጥሪ ነጊሱ። መዕለቢ ክረክብ እዩ ብዝብል እምነት ንሓደ ዓመት ተጸቢና። ዝተወሃበ መልሲ ግን ኣይነበረን።
ንሕና ተወከልቲ እቲ ብሄር 39 መንበር'ዩ ኣብ ክልላዊ ባይቶ'ዩ ዘለና። ስለዚ ብዝረኸብናዮ ኣጋጣምታት ንኣሰራርሓ ከይጠሓስና እቲ ኣጀንዳ ንክቐርብ ሓቲትና። ክሰምዑና ግን ኣይከኣሉን። ንድምጺ ህዝብና ክሰምዑ ድልየት የብሎምን። ስለዚ ብቐጻሊ እንወስዶ ስጉምቲ እንታይ ይኹን ብዝብል ናይቲ ብሄር ቤት ምኽሪ ብዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ ናብ ቤት ምኽሬ ፌደሬሽን ይግባይ ልኢኽና ኣለና።
ካብ ሕጂ ንደሓር ባይቶ ክልል ደቡብ ንዓና ዝህቦ መልሲ ከምዘይህልው ብምእማን ብቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ ጉባኤታት ኣይንሳተፍን ዝብል መርገጺ ሒዝና ኣይኣተናን።
እዚ ማለት፡ ዞባ ወላይታ ካብ ሕዚ ንደሓር ኣብ ባይቶ እቲ ክልል ተወካሊ የብሉን ማለት ድዩ?
ተወካሊ ሃለዎ ኣይሃለዎ ኩሎም ውሳነታት ብዓብላሊ ድምጺ እዮም ዝውሰኑ። ንሕና ከኣ ድልየት ናይቲ ብሄር ይስማዕ የለን ዝብል እዩ። ድልየቱ ይሕለወሉ ስለዘየሎ ንናይ ካልኦት ድልየት ጥራይ ውሳነ እናሃበ ዝምለሰሉ ኣካይዳ እዩ ክሳብ ሎሚ ንርእዮ ዘለና። ስለዚ ክብሪ ህዝብና ክህለው እንተዘይገይርና ኣብኡ ምህላውና ኣገዳሲ ኣይኮነን። ሕዚ 'ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ንሕቶ ህዝብና ቆላሕታ ክህብ ኣለዎ' ኣብ ዝብል ኢና ኣድሂብና ዘለና።
ቀጻሊ ስጉምቲ እቶም ኣባላት እንታይ'ዩ ክኸውን?
ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሕቶና ኣቕሪብናለና። ሕዚ ካብ ክልል ደቡብ እንጽበዮ መልሲ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ቀጻሊ ስጉምቲ ዝኸውን ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ምስ ቦርድ ምርጫ ብቕልጡፍ ተዘራሪቡ ህዝበ ውሳነ [ሪፈረንደም] ንኽዳለው ኢና ክንሰርሕ።
ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ሕቶ ዘቕረብኩምሉ እዋን መዓስ'ዩ ነይሩ?
ናብ ክልላዊ ባይቶ ሕቶና ካብ እነቕርብ ብ10 ታሕሳት 2012 [ኣ.ኢ] ሓደ ዓመት ምስመልኦ ኣብ ጽባሕ ማለት 11 ታሕሳት ኢና ናብ ባይቶ ፌደሬሸን ይግባይ ኢልና። ንሱ'ውን [እቲ ይግባይ] ሽድሽተ ወርሒ መሊእዎ'ሎ።
ኣብዚ እዋን ከኣ አብቲ ፌደሬሸን ለውጢ ሓለፍቲ ይካየድ ስለዘሎ ጉዳይና ክደናጎይ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ኮሚቴ ምጽራይ ሕገ-መንግስቲ ዝበሃል ስለዘሎ ዘቕረብናዮ ይግባይ ኣብ ኢድ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዘሎ ኢና ንፈልጥ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ2 ሰነ 2012 [ኣ.ኢ] ኣብ ደቡብ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ዘትዩ ነይሩ። ሽዑ ድማ ክልል ደቡብ ብሓድሽ ኣወዳደድባ ከምዝጣየሽ ተሓቢሩ ነይሩ። ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊስኩም ነቲ ውሳነ ምጽባይ'ዶ ኣይምሓሸን?
ቀዳማይ ነገር እቲ ጉዳይ ናትና ሕቶ ኣይኮነን። 'ክልል ደቡብ ብኸምዚ መልክዑ ይወደብ' ኣብ ዝብል ናትና ሕቶ የለን። ንሕና 'ንርእሱ ክኢሉ ብደረጃ ክልል ይጣየሸልና ዝብል ሕገ-መንግስታዊ ሕቶና ይመለሰልና' ኢና ንብል ዘለና።
ካብዚ ወጻኢ ዘለዉ ሕቶታትን ኣብቲ ክልላዊ ባይቶ ዘለዉ ተወከልቲን ግን ንዓና ዝውክሉ ስለዘይኮኑ ኢድና ክንሓውስ ኣይንደልይን። እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ መንግስቲ ብተበግስኡ ዝገብሮ ዘሎ እምበር ህዝቢ ነቒፉን ደጊፉን ዝተቐበሎ ኣይኮነን።
ስለዚ አብቲ መድረኽ ዘተ ኣይተዛተናን ዲኺ ትብሊ ዘለኺ?
እወ ንሕና ኣይተዛተናን።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ኸ ቅርታኹም ዓቕሪብኩም'ዶ?
ኣነ ከም ኣፈጉባኤ ንሕቶ እቲ ብሄርን ህዝብን እየ ዘተሓባብር እምበር ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፍ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ሕቶና ንሱ ኣይኮነን። በዚ ኣገባብ መልሲ ክወሃብ እንተኾይኑ ከኣ ነቲ ኣጀንዳ ኣምጺእኻን ምስቲ ህዝቢ ዘቲኻን እዩ። ንሕና ሕቶና ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ክፍተሓልና ኢና ንደሊ።
ንዞባ ወላይታ ወኪሉ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ዝተዓደመ ነይሩ'ዶ?
ዝተዓደሙ ኣካላት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን።
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ስለዘሎ ሕቶኹም ብግቡእ ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ'ዶ ትብሉ?
ኮሮናቫይረስ አብ ሃገርና ካብ ዝረኣይ ኣወርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ሕቶና ግን ቅድሚ እቲ ለበዳ ዝቐረበን መዕለቢ ንምሃብ ናይ ሓደ ዓመት ዕድል ዝነበሮን እዩ። ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ካብ ዝበጽሕ እውን ሽድሽተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ምስ ቦርድ ምርጫ ብምዃን ህዝበ ውሳነ ናብ ዝካየደሉ መስርሕ ብቕልጡፍ እንተተሰሪሑ'ኮ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ስራሕ እዩ። ነዚ ሕቶና ሕዚ መልሲ ክህቡ'ዶ ይኾኑ ንዝብል ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ናታታቶም ስልጣን ስለዝኾነ ስልጣኖም ብዘፍቀደሎም ንዝህቡና መልሲ ኢና ንጽበ ኣለና።
ኣብዚ እዋን ተወከልቲ ብሄር ወላይታ ዝነበርኩም ካብ ባይቶ ክልል ደቡብ ወጺእኹም ስለዘለኹም ኣብቲ ክልል አብ ዝውሰኑ ውሳነታት ሕቶ እንተሃልይኩም ንህዝቢ ወላይታ ወኪሉ መን'ዩ ክዛረብ?
እቶም ዝቐርቡ ኣጀንዳታት እዮም ዝውስንዎ። ኣብ ጉዳይ እቲ ብሄር ውሳነ ከሕልፍ ዝኽእል ናይ ባዕሉ ቤት ምኽሪ ከምዝኸውን እየ ዝአምን። ኣብ ጉዳዩ ዝዛረብን ዝውስንን ካልእ ኣካል ክህልው ኣይክእልን።
ስለዚ ነቲ ብሄር ዝምለከቱ ዛዕባታት እንተሃልዮን ብናይባዕሉ ባይቶ ክምርሑ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ከኣ ብደረጃ ፌደራል ክተኣናገዱ ይግባእ እምበር ኣብ ዘይተረኸብናሉ ብዛዕባና ክዛረብ ዝኽእል ኣካል ክህሉ ኣይክእልን። ኣብቲ ብሄር ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ስለዘሎ ዝኾነ ኣካል ክውስነሉ ኣይክእልን።
ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ብዛዕባ ወላይታ ዝምልከቶ ንቤት ምኽሪ እቲ ብሄር እምበር ንክልል ደቡብ ኣይኮነን ኢኺ ትብሊ ዘለኺ?
እወ!





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







