ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ከይወስዱ ተኸልኪሎም ደዮም?

በረኸት ዘሙይ
መግለጺ ስእሊ, በረኸት ዘሙይ

ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ኣብ 1951 ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1969 ኣብ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዓንቀጽ፡ ኣብቶም ንስደተኛታት ዝምለከቱ ኣብ ቁጠባዊዊ ማሕበራውን ባህላውን መሰላትን ካልኦት ዓለምለኻውያን ሕጋጋት ከተማልእን ዘዕቖበቶም ስደተኛታት ድሕነቶም ክተረጋግጽን ተሳማሚዓ እያ።

ኣብ ጥሪ 2019 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን፡ ነዚ ዘራጉድ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ክሰርሑ፡ ክምሃሩ፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ወጺኦም ኣብ ድሌቶም ንኽነብሩ ዘፍቕድ ሕጊ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።

በረኸት ዘሙይ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረ ኮይኑ፡ ብመንገዲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝረኸቦ ናይ ትምህርቲ ዕድል፡ ካብ ዓዲ ግራት ዩኒቨርስቲ ብዓውዲ ስነቁጠባ ኣብ 2017 ተመሪቑ።

በረኸት "ንወርሒ 300 ብር ናይ ጁባ እናተውሃበና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ከኣ 350 ብር እናተውሃበና ኢና ተማሂርና፡ ካብ መዓስከር ናብ ዩኒቨርስቲ ክንከይድ ድማ 800 ብር ይውሃበና ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ ብፋይናንስያዊ ሕጽረት ትምህርቲ ዘቋርጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይሕብር።

ሰመረ ሳህለ ኣብ 2016 ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ኣክሱም ዩኒቨርስቲ ክምሃር ዘጸንሐ ኮይኑ፡ ብውልቃዊ ጉዳዩ ናብ ናይ ግሊ ዩኒቨርስቲ ዝቐየረ እዩ፤ ቅድሚ ሕጂ ናብ ዩኒቨርስቲ ምእታው ብዙሕ መሰናኽል የጋጥሞም ከምዘይነበረን፡ ናይ መእተዊ ፈተና ተፈቲኖም ዝሓለፉ ናብ ዩኒቨርስቲ ይኣትዉ ምንባሮም ተሞክሮኡ የካፍል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ክምሃሩ እንከለዉ፡ ካብቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ትካል 'ኣራ' ዝውሃቦም ገንዘባዊ ደገፍ እኹል ዘይምዃኑን ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ትምህርቶም ከቋርጹ ዝግደዱ ብዙሓት ምዃኖምን ይሕብር።

"ንኣብነት ኣክሱም ዩኒቨርስቲ ኣርባዓ ንኽውን ኢና ጀሚርና ኔርና፡ ካብዚኦም እቶም 15 ኢና ክንቅጽል ክኢለና፡ እቲ ምኽንያት እቲ ዝተብሃለናን እቲ ኣብ ግብሪኡ ዘሎን ዝተፈላለየ እዩ፤ ብዓቢኡ ንጉዳይና እንዳ ኣራ እዩ ዝከታተሎ፡ እሱ ክኣ ምስ ኩሉ ስርሓቱ ዋላ ነተን 300 ብር ወርሓዊ ዝውሃባና'ውን ብኽንደይ ኮለል ኢና ንረኽብን" ይብል።

ብደረጃ ዓለም፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ንኽምሃሩ ዕድል ዝረኽቡ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ ስደተኛታት ናብ ላዕልዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽሉ ዝኽእሉ ግን 1 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ዓለም ልዕሊ 70 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከም ዝተመዛበለ ጸብጻብ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ይሕብር። እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ካብ ዝተረኣየ ምምዝባል ሰባት እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

"ኣብዚ ኣሃዝ እዚ ዝረአ ዘሎ እንተሪኢና፡ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ክደጋገምን ክልመድን ዝጸንሐ፡ ብዙሓት ሰባት ውሑስ ህይወት ንምርካብ፡ ካብ ኵናት ግርጭት ጭቆናን ንምርሓቕ ዘለዎም እንኮ ኣማራጺ ካብቲ ቦታ ምልጋስ እዩ" ይብል ኮምሽነር ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፈሊፖ ግራንዲ።

እቲ ጸብጻብ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ከምዘርእዮ፡ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዓዶም ዝተመዛበሉ ኢሉ እዩ ዝፈላልዮም።

በዚ መሰረት፡ እቶም ስደተኛታት ዝብሃሉ ዘለዉ ብሰንኪ ግርጭት፡ ጭቆናን ኵናትን ካብ ዓዶም ዝወጽኡ ኮይኖም፡ ኣብ 2018 ኣብ መላእ ዓለም 25̈ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዝተመዝገቡ ይግለጽ።

ኣብቲ ካልኣይ መደብ፡ እዞም ጉጅለ እዚኦም ካብ ትውልዲ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ካልእ ሃገር መሰል ዑቕባ ዝሓተቱ ኮይኖም ኣብ 2018 ኣብ መላእ ዓለም 3.5 ሚልዮን ተመዝጊቦም ከምዘለዉ እዩ ዝገለጽ።

ሰመረ ሳህለ
መግለጺ ስእሊ, ሰመረ ሳህለ

እቲ ሳልሳይ ጉጅለ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብዝተፈላለየ ኣስገዳዲ ምኽንያታት ካብ ዓዶም ተፈናቂሎም ኣብ ካልእ ክፋል ሃገሮም ንክነብሩ ዝተገደዱ እዮም፡ ብደረጃ ዓለም 41.3 ሚልዮን ሰባት ኣብዚ ኮታ እዚ ሰፊሮም ኣለዉ።

ካብ እዞም ስደተኛታት 92,400 ጥራይ ኣብ 2018 ብመንገዲ ትካል ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰጋገሩ እንከለዉ፡ ትሕቲ 7% ከኣ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ።

ሰመረ ሳህለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ኣብ መዓስከራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ይግበር ከም ዝነበረን ቅድሚ ሕጂ ነቶም ዝፍተኑ እቶም ቅድሚኦም ዩኒቨርስቲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብወለንተኦም መዳለዊ ሓገዝ (ቱተርያል) ይገብርሎም ምንባሮም ብምሕባር፡ ሕጂ ግን ከምዘይፍተኑ ብወግዒ ከምዝተነገሮም ይሕብር።

"እቲ እዋን ሓሊፉ እዩ፡ እንተደንጎየ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ እዩ እቲ ፈተና ክካየድ ነይርዎ፡ ሎሚ ዓመት ግን ብወግዒ ከምዘይንፍተን ብእንዳ ኣራ ተነጊርና እዩ፡ እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ሕጽረት ባጀት ምዃኑ እዩ ተሓቢርና" ይብል።

ኣቶ ያሲን ዓሊ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኤጀንሲ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምሃሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ተምሃሮ ከም ዘለዉ እዩ ዝሕብር።

ኣቶ ያሲን ዓሊ ኣስዒቡ ብናይ ኢትዮጵያ ኣገባብ ኣመሃህራ ዝተምሃሩ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ከም ዝተፈተኑ ብምሕባር፡ እቶም ኣብ ከም ብዓል ኤርትራ 'ትምህርቲ ወዲእና ኢና ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ክንፍተን ንደሊ ኢና' ዝብሉ ግን መረጋገጺ ወረቐት ሒዞም ስለዘይመጽኡ ኣብዚ መምዘኒ ብቕዓት ዝሓትት ኣገባብ ኢና ንኽተል ይብል።

"ሚኒስተሪ ትምህርቲ ነቶም ኣብዚ ዘምሃርናዮም ተምሃሮ ብኮታ ይቕበለና እዩ፡ ስለዚ ነቶም ኣብዚ ዝተምሃሩ ቀዳምነት ክንህብ ኢና፡ እቶም ካብ ኤርትራ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ወዲእና ኢና ኢሎም ኣብዚ ናብ ዩኒቨርስትታት ክምደቡ ዝሓቱ ከኣ ወረቃቕቶም ክጻረን ዝተምሃርዎ ዓይነት ትምህርታት ክረአን ኣለዎ።

ካብዞም ኣብዚ ተማሂሮም ዝሓልፉ ዝተርፍ ኮታ [ብጽሒት] እንድሕር ሃልዩ ከነእትዎም ንኽእል ኢና፡ ኣጻሪና ምስ ወዳእና ኮታ እንድሕር ተረኺቡ፡ ተጠቀምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም እንተዘይኮይኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይትፍተኑን ኢኹም ዝብል መግለጺ ኣይኮነን ተውሃቢዎም" ኢሉ።

ዝተመረቑኸ ስራሕ ይኽቡዶ?

ሰመረ ሳህለ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብስነቁጠባ ካብ ዝምረቕ ክልተ ዓመት እኳ እንተገበረ ክሳብ ሕጂ ስራሕ ከምዘይረኸበ'ዩ ዝሕብር፡ በረኸት ዘሙይ ብወገኑ "ስራሕ ደሊኻ ስራሕ ንኽትሓትት እውን ንመን ከም ትሓትት ኣይፍለጥን'ዩ" ይብል።

ኣብ ጥሪ 2019 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ድላዮም ካብ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ድላዮም ክነብሩ፡ ክሰርሑን ክምሃሩን ንዝብል ሕጊ ዳግም ኣመሓይሹ ድኣ የውጽኣዮ እምበር ኣብ ተግባር ግን ከምቲ ዝተብሃለ ከምዘይኮነ'ዩ ሰመረ ዝሕብር።

"ናይ ኣዲስ ኣበባ መንቀሳቐሲ እንድሕር ሒዝካ ካብዚ ከተማ ወጻኢ ንኽትንቀሳቐስ ተወሳኺ ወረቐት ክትሕዝ ኣለካ፡ እቲ ወረቐት'ውን ኣብ ዳሕረዋይ ገበሩ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣየገልግልን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ" ይብል።

ድሕሪ እዚ ኣብ ጥሪ 2019 ዝወጽአ ሓዲሽ ኣዋጅ በታ ስደተኛታት ምዃኖም ትሕብር ወረቐት፡ ሲም ካርድ ከውጽኡ እኳ እንተኽኣሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ባንክ ግን ድሩት ምዃኑን፡ ዝበዝሓ ባንክታት 'ካብ ሃገራዊ ባንኪ 'ኣይትኽፈትሎም' ዝብል መምርሒ ስለዝተውሃበና' ኢለን ኣገልግሎት ከም ዘይህበኦም እዮም ዝሕብሩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዩኒቨርስትታት ዓዲግራት፡ ኣክሱም፡ መቐለን ራያን ብብዝሒ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዩኒቨርስትታት ባህርዳር፡ ደብረማርቆስ፡ ጎንደር፡ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዩኒቨርስትታት ሃዋሳ፡ ወላይታ ሰዶ፡ ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ኣቐዲሞም ኣብ ሰማራ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ ኣብ ሃሮማያ ዩኒቨርስቲ ውሑዳት ተምሃሮ ከም ዝተመረቑን ይምሃሩ ከም ዘለዉን፡ እዞም ካብ 2015 ጀሚሮም ተወዲቦም ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙ ምሩቓትን ተምሃሮ ዩኒቨርስትን ይሕብሩ።

ሰመረ ሳህለን በረኸት ዘሙይን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብምልፋን ንዝሃቦምን ንዝህቦ ዘሎን ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምምስጋን ምሉእ ንክኸውን ግን፡ እቲ ዝተምሃረ ኣካል ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ፡ እዞም ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ዝሓለፎም ከኣ ዳግማይ ኣብ ግምት ኣትዩ ዕድል ክውሃቦም፡ ዝተመረቑ'ውን ስራሕ ዝረኽብሉ ወይ'ውን ናብ ሳልሰይቲ ኣካል ዝሰጋገርሉ ባይታ ክጣጥሕ ለበወኦም ኣሕሊፎም።