ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገራ ንዝርከቡ ስደተኛታት መሰል ምንቅስቓስ ክትህብያ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ንጉሆ 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ መበል 19 ምዱብ ኣኼብኡ፤ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ረቂቕ ኣዋጅ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ መሰላት ብምሃብ፤ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት እትገብሮ ኣታኣላልያ ንኸተዕዝዝ ክሕግዛ'ዩ። እቲ ኣዋጅ ብሰለስተ ድምጺ ተቓውሞን ብሓደ ድምጺ ተዓቅቦን እዩ ጸዲቑ።

ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ፤ ዕላዊ ኣፍልጦ ንዝረኸቡ ስደተኛታት ካብ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ሓሊፉ ናይ ትምህርትን ስራሕን መሰል ዝህብ'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ሶማላውያን፡ ኤርትራውያንን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝርከቡ ክኾኑ እንከለው፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከምእትርከብ ይገብራ።

ኣብ ኣኼባ"እዚ ጉዳይ ኣብ'ቶም ደለይቲ ስራሕ ኢትዮጵያውያን ዓቢ ጸገም ክፈጥር'ዩ። ተቐበልቲ ስደተኛታት ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ነዚ ጉዳይ ኣይሓሰቡሉን" ዝብሉ ነቐፌታታት ዘቕረቡ ኣባላት ባይቶ ህዝቢ'ውን ኔሮም'ዮም።

ነቲ ኣዋጅ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃበት፤ ኣካቢት ዋና ኮሚቴ ሕጊ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ፎዝያ ኣሚን፤ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ወኪል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ዛዕባ ምምይያጥና ንድምጺ ህዝቢ ከምዝሰማዕና እዩ ዝቑጸር ኢላ። ብተወሳኺ ነቲ ኣዋጅ ብዝምልከት ምስ ህዝቢ ምይይጥ ከምዝተገብረ ኣረዲኣ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፤ ስደተኛታት ኣብቶም ንወጻእተኛታት ዝፍቀዱ ስርሓት ናይ ምስራሕ ዕድል ክህልዎም እንከሎ፤ እዚ ግን ዕድል ኢትዮጵያውያን ዝምንዝዕ ዘይኮነስ ንዘሎ ሃጓፋት ዝሓትም እዩ።

ነዚ ኣዋጅ ካብ ምርቃቕ ክሳብ ምጽዳቕ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ክኸውን እንከሎ፤ ብዓለምለኻዊ ሓገዛት ንዝግበሩ ኣስታት 700 ጽፍሕታት ብጽሒት ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ ዝተረፉ ግን ብቕዓት ብዘለዎም ስደተኛታት ክተሓዝ ዘኽእል'ዩ።

ንስደተኛታት ክፉታት ተባሂሎም ካብ ዝተመደቡ ስርሓት፤ ካብቶም ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኻውያን መሻርኽታ እተካይዶም ከም መስኖ፣ ሕርሻን ፓርክ ኢንዳስትርን ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።