ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተነቒፉ

መስርሕ ምምራጽ ሓደስቲ ኣባላት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጥቅምቲ 12 2018 ማእከላይ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኒዉዮርክ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መረጻ ኣባላት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኒዉዮርክ

ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምምራጸን ነቲ ትካል ምድኻም ምዃኑ ተገሊጹ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ 12 ጥቅምቲ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትኸውን መሪጹ።

ካብ መንጎ እተን ተመሪጸን ዘለዋ 18 ሃገራት፡ ብሕሉፍ ምግሓስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሳ ዝጸንሓ ሃገራት ይርከባ።

ንኣፍሪቃ ወኪለን ናብቲ ቤት ምኽሪ ተጸምቢረን ዘለዋ ሃገራት ኤርትራ፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ካሜሩን፡ ሶማልን ቶጎን ኢየን።

እንተኾነ ግና፡ ኤርትራን ፊሊፒንስን ምስቲ ዝጸንሐ ጸብጻብ ናይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኣባልነት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብቑዓት ከም ዘይኮናን ኣባል ሃገራት ካብ ምምራጸን ክቑጠቡን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክጉስጉሱ ጸኒሖም ኢዮም።

ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ክትክሰስን ነዚ ከጻሪ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመ መርማሪ ኮምሽን'ውን ወላ'ኳ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ኤርትራ ብሜላ ዝዝዉተር ሰፊሕን ገዚፍን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላው ከም ዝተገንዘበ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ናይ ተጻባእቲ ሃገራት'ዩ ዝብል ምላሽ'ዩ ዝህበሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣሽካዕላል ይጻወት ኣሎ ብምባል፡ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣባልነታ ከም ዝሰሓበት ዝዝከር'ዩ።

እንተኾነ ግና፡ እቲ ኣካል ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ወሳኒ ተራ ከም ዝጻወት ይግለጽ።

ኤርትራዊት ብፖሊስ ጥልያን ክትሳደድ እንከላ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መን'ዩ?

ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንደ ዝገበረ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣካል ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ብ47 ኣባል ሃገራት ዝቖመ፤ ከሉ መሰላት ደቂ ሰብ ኣብ መላእ ዓለም ክኽበር ዝሰርሕ ኢዩ።

እቲ ትካል፦

  • ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ዕድል ክህልዎም ይሰርሕ
  • መንግስታት ንመሰል ዜጋታቶም ንምሕላው እንታይ ከም ዝገብሩ ይከታተል
  • መንግስታት ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰማምዑሉ ነጥብታት ምትግባሮም ይከታተል
  • መሰሎም ንዝተገፈፎም ሰባት ድማ ይተሓጋገዝ

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር እዚ ቤትምኽሪ ብቐጥታ ብኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ እትምረጽ ክትከውን እንከላ፡ ንኽልተ ተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ክተገልግል ትኽእል።

ኣባላት እዚ ቤትምኽሪ ካብ ሓሙሽተ ዞባታት ዓለምና ዝተዋጽኡ ኮይኖም፡ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዞባ ዝወሃብ መንበር ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ጉጅለ ሃገራት ኣፍሪቃ (13 መናብር)

ጉጅለ ሃገራት እስያ-ፓሲፊክ (13 መናብር)

ጉጅለ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ (6 መናብር)

ጉጅለ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ካሪብያንን (8 መናብር)

ጉጅለ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳን ካልኦትን (7 መናብር)

ኣብ ታሪኽ እዚ ቤት ምኽሪ፡ ንፈለማ እዋን፡ እቶም ሓሙሽተ ዞባታት ዓለምና ንመረጻ ዘቕረብዎ ብዝሒ ሃገራት ምስቲ ዝወሃብ ብጽሒት ማዕረ ብምንባሩ ዝኾነ ውድድር ኣይነበረን።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ሚስተር ሎኢስ ቻርቦነው ኤርትራ ብዘለዋ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞክሮ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትምረጽ ግቡእ ኣይነበረን ይብል።

"መንግስቲ ኤርትራ ንነቐፍቲ መንግስቲ ዝኣስርን ዘጋፍዕን ኢዩ፤ ካብ 2001 ኣትሒዞም ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው 21 ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ብዙሓት እሱራት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣለው" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ዉጽኢት እዚ ምርጫ ብዙሕ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ዘይተጸበናዮ ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ካብቲ ዞባ ንዉድድር ዝቐረባ ካልኦት ሃገራት ብዘይምንባረን ኤርትራ ከም ትምረጽ ጥርጥር ኣይነበረን" ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሀይሊ ብወገና፡ 'ሕጂዉን' ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዘለወን ዝፍለጣ ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ብድሆ ይምረጻ ኣለዋ ክትብል ድሕሪ እቲ መረጻ ተዛሪባ።

"እዚ መስፈርቲ ዘይምህላው ንብቕዓት እቲ ትካል የነኣእስ ኣሎ፤ እዚ ድማ ሓደ መርኣያ ምኽንያት ምንስሓብ ኣሜሪካ ካብቲ ቤትምኽሪ እዩ" ኢላ።

ሚስ ሀይሊ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ትካል ኣንጻር እስራኤል ብዘርእዮ ተጻብኦታት "መዕቆሪ ፖለቲካዊ ወገንነት" ኢላ ከም ዝገለጸቶ ዝዝከር ኢዩ።