ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ህዝባዊ ቦታ ከም ዝተረኽበ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ሓቢራ

ኪም ጆንግ-ኡን 1 ግንቦት 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ድሕሪ 20 መዓልትታት ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ከም ዝተርኣየ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺባ።

ኪም ኣብ ምምራቕ ሓደ ናይ ድዅዒ ፋብሪካ ተረኪቡ ሪቫን ከም ዝቖረጸን፤ ኣብቲ ህሞት ዝተረኽቡ ሰባት ንእኡ ምስ ረኣዩ ብኣውታ ሓጎሶም ከም ዝገለጹን እታ ኬሲኤንኤ ዝተብሃለት ማእከን ዜና ጸብጺባ።

እቲ መራሒ ካብ 12 ሚያዝያ ንደሓር ስለዘይተራእየ ብዛዕባ ጥዕንኡ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ።

እዚ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮርያ ዝተጸብጸበ ዜና ዛጊት ብካልእ ነጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ እዚ ኩነታት ዝተሓተተ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ርእይቶ ክህብ ከም ዘይደልይ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

መራኸቢ ብዙሓን ሰሜን ኮርያ እንታይ'ያ ጸብጺባ?

ብመሰረት ጸብጻብ ኬሲኤንኤ፡ ኪም፡ ሓፍቱ ኪም ዮ-ጆንግ ብእትርከቦም ላዕለዎት ሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ተዓጂቡ እዩ ነይሩ።

እቲ መራሒ ኣብ መመረቕታ ኣብ ዞባ ሰሜን ፕዮንግያንግ ዝርከብ ሓድሽ ፋብሪካ እዩ ተረኺቡ ሪቫን ቆሪጹ።

እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ እቲ መራሒ ብምምጽኡ ሓጎሶም: ብምጭዳር ገሊጾም።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን: 1 ግንቦት 2020

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ብዛዕባ ጥዕንኡ ዝወሃብ ርእይቶታት ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ?

እቲ መራሒ ኣብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተብዓለ ጽምብል ዕለተ ልደት ናይቲ መስራቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ኣባሓግኡ፡ ኪም ኢል-ሱንግ ድሕሪ ዘይምስታፉ እዩ፡ ጥዕንኡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝረብ ጀሚሩ።

እቲ በዓል፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ሰሜን ኮርያ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዕለታት ኮይኑ፡ ኪም ዓመት መጸ: ናብቲ ኣባሓጎኡ ዝዓረፈሉ መቓብር ብምብጻሕ እዩ ዝጽምብሎ።

ኣብቲ ዕለት ከይተርኣየ ምስ ሓለፈ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ሰሜን ኮርያውያን ዝካየድ መርበብ ሓበሬታ: ደየሊይ ኤንኬ: እቲ መራሒ ከም ዝሓመመ ጸብጸበ።

መንነቶም ዘየተገለጸ ምንጭታት እቲ መራሒ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ብሕማም ልቢ ክሳቐ ምጽንሑን ናብ እምባ ፔክቱ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት ከም ዝበርትዖን ነቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጾም።

ብድሕሪ'ዚ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ካልእ ምንጪ ዘይብሉ ሓበሬታ ተቐባቢለን ኣቃሊሐንኦ።

ትካላት ጸጥታ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ነቲ ሓበሬታ ይከታተልኦ እኳ እንተነበራ፤ ሓንቲ ናይ ኣሜሪካ ማእከን ዜና፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ዝተገብረሉ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዝርከብ ጸብጺባ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ'ውን ብ 29 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኪም ከም ዘይረኣይዎ ብምግላጹ ነቲ ወረ ነዳዲ ወሲኹሉ።

ካብ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ዝተወሃበ መግለጽን ካብ ትካል ጸጥታ ቻይና ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን እቲ ወረ ሓቂ ከም ዘይኮነ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።

ኪም ኣብ መስከረም 2014 እውን ን40 መዓልትታት ተሰዊሩ ነይሩ። መራኸቢ ብዙሃን ግና ኣበይ ጠፊኡ ከም ዝነበረ ኣይተዛረበትሉን።