ሰሜን ኮርያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተጨነቐትሉ ፈተነ ሮኬት ላውንቸራት ኣካይዳ

ሰሜን ኮርያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተጨነቐትሉ ፈተነ ሮኬት ላውንቸራት ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰሜን ኮርያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተጨነቐትሉ ፈተነ "አዝዮም ዓበይቲ" ሮኬት ላውንቸራት ኣካይዳ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፈተነታት ምክያዳ "ዘይግባእ" ክትብል ደቡብ ኮርያ ካብ ዝኾነነታ ድሕሪ ሰዓታት ፈተነ "ኣዝዮም ገዘፍቲ" ሮኬት ላውንቸራት ኣካይዳ።

ደቡብ ኮርያ ክልተ ሓጺር ርሕቐት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ከምዝተተኮሱ ትማሊ ሰንበት አፍሊጣ ነይራ።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓለም ዝፈታተና ዘሎ ኮሮናቫይረስ ከይዓገታ ፈተነታት ሚሳይል ቀጺላትሉ'ያ።

ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ዝወጽአ ጸብጻብ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰብ ሞያ ግን ስክፍትኦም ይገልጹ።

ብሰንበት ዝተኻየዱ ፈተነታት ክልተ ሓጺር ርሕቐት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ካብ ሰሜናዊት ከተማ ዎንሳን ከምዝተበገሱ ይዝረብ።

410 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ዝተወንጨፉ እቶም ሚሳይላት ናብ ባሕሪ ቅድሚ ምዕላቦም ክሳብ 50 ኪሎሚትሮ ብራኸ ከምዝነበሮ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ።

ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ ድማ ካልኦት "ኣዝዮም ዓበይቲ" ሮኬት ላውንቸራት ብዕውት ኩነታት ፈተነ ከምዘካየደት ሃገራዊ ቴሌቪዥና ጸብጺቡ።

ሰሜን ኮርያ ብወገና "ዓለም ብኮቪድ -19 ኣብ ፈተና ወዲቓ ኣብ ዘላትሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ኮርያ ዘይግቡእን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ንጽውዕ" ኢላላ።

እዞም ሕዚ ዝተኻየዱ ፈተነ ሚሳይላት ካብ ካልእ እዋን ብዝበለጸ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብዝሒ ዘለዎም ከምዝኾኑ ይግለጽ።

"ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ተኸታታልነት ዘለዎም ፈተነታት ዝተኻየዱሉ እዋን ኣብ 2016ን 2017 እዮም ነይሮም" ይብል ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ሺያ ኮቶን።

ሰሜን ኮርያ እትገብሮም ፈተነታት ክትቕጽል ምዃና ዝግመት ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ክሳብ ሎሚ ዘይተርኣየ ሚሳኤል ከምዘማዕበሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣእንፊቶም ነይሮም'ዮም። ኣብ ሓደሽቲ ሚሳይላቶም ወይ ከኣ ነባራት ፈተነ ከምዘካይዱ እሓስብ ነይረ" ኢሉ።