ኣብ 'ቅዱስ' እምባ ብፈረስ ክጋልብ ዝተራእየ መራሒ ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብታ ሃገር ከም 'ቅዱስ' ዝፍለጥ ብበረድ ዝተሸፈነ እምባ ክጋልብ ተራእዩ።
ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ ዝባን እምባ ፓክቱ ጻዕዳ ፈረስ ክጋልብ ዘርኢ ስእልታት ብማዕከን ዜና እታ ሃገር ተዘርግሑ።
እቲም እምባ፡ 2750 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ እምባታት እቲ ዝበረኸ'ዩ። ኪም፡ ናብቲ ጎቦ ክድይብ እዚ ናይ መጀመርትኡ ኣይኮነን።
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ፡ ምልክት ናይ ክግበሩ ተወጢኖም ዘለዉ ዓበይቲ ውሳነታት ምዃኑ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እምባ፡ ፓክቱ፡ ኣብ መንነት ሰሜን ኮርያ ፍሉይ ቦታን ክብርን ዝወሃቦ ጎቦ ኮይኑ፡ ኣቦ ኪም ጆን-ኡን፡ ኪም ጆንግ-ኢል፡ ዝተወለደሉ ቦታ'ዩ ተባሂሉ ይእመነሉ።
"ኣብ እምባ ፓክቱ ኣብ ዝባን ፈረስ ተወጢሑ ምግላቡ፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኮርያ ከቢድ ኣገዳስነት ዘለዎ ዓቢ ፍጻመ'ዩ" ይብል እቲ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ዘውጽኦ መግለጺ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ኣብ ርእሲ እምባ ፓክቱ ኣብ ዝባን ፈረስ ተወጢሑ፡ ነቲ እታ ዝሓየለት ሃገር ናይ ምህናጽ ዕላማ ብእምነትን ከም እምባ ፓክቱ ዝተርር ድሌትን ዝሸፈኖ ከቢድ ጉዕዞ ምስ ዓᎁቕ ስሚዒት ዘኪሩዎ።"
ኣብ 2017፡ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረ ቅድሚ ምስምዑ ክልተ ሳምንቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ እምባ ደዪቡ ነይሩ'ዩ። ኣብቲ መደረ ድማ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝመበረፐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከመሓይሽ ድሌት ከም ዝነበሮ ኣተንቢሁ።
ኪም፡ ሰለስተ ግዜ ናብቲ እምባ ከም ዝደየበ ይንገረሉ። ኣብ 2018 ድማ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዝነበረ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኪም ሞን-ጃይ-ኢን ብሓባር ደይቦም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማዕከን ዜና እታ ሃገር፡ ኪም፡ ጸሊም ናይ ቆርበት ጫማ ጌሩ ኣብ ዝባን እምባ ፓክቱ ከም ዝደየበ ዘርኢ ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ዘርጊሑ ነይሩ'ዩ።
እቲ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዘለዎ እምባ ፓክቱ፡ ትውልዲ ቦታ ናይቲ ዳንጉን ዝተባህለ መስራቲ እቲ ቅድሚ 4000 ዓመታት ዝነበረ ቀዳማይ ንግስነት ኮርያ ተባሂሉ ይእመን።
እምባ ፓክቱ፡ ኣማኢት ኪሎሜትራት ካብ ርእሰከተማ ፒዮንያንግ ርሒቑ፡ ኣብ ዶብ ሰሜን ኮርያን ቻይናን ዝርከብ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







