ሰሜን ኮርያ፡ ምስ ኣሜሪካ 'ዘተ ዳግማይ ክጅመር ትደልይ'

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን፡ ካብ ሰራዊት ነጻ ኣብ ዝኾነ ዞባ ዶብ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ 30 ሰነ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ካብ ሰራዊት ነጻ ኣብ ዝኾነ ዞባ ዶብ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ

ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ተካይዶ ዝነበረት፡ ኑዩክሌር ዝምልከት ዘተ፡ ኣብ ምዝዛም እዚ ወርሒ ዳግማይ ከተበራብሮ ከም እትደሊ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብኽልቲኡ ወገናት ቅቡል ዝኾነ "ሓፈሻዊ" ዝርርብ ንምጅማር ፍቓደኛታት ምዃኖም ቾ ሶን ሂ ሓቢራ።

ንሳ ነዚ ዝበለት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፒዮ ዘተ ናይ ምቕጻል ተስፋ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ሚስ ቾ ነዚ መግለጺ ድሕሪ ምሃባ ድሕሪ ሒደት ሰዓታተ፡ ካብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኮርያ፡ ንፈተነ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይል ተተኲሱ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ተመሳሳሊ ፈተነታት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንሓውሲ ደሴት ኮርያ ምሉእ "ብምሉእ ካብ ኒዩክሌር ነጻ" ናይ ምግባር ስምምዕ በጺሖም ነይሮም።

እንተኾነ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝትግበርን ኣይተነጸረን።

ንዝርዝራቱ ኣልኪቱ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሃኖይ፡ ቬትናም ዝተኻየደ ርክብ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

ሰሜን ኮርያ እንታይ እያ ኢላ?

ሚስ ቾ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም "ገጽ ንገጽ" ንምርኻብ ፍቓደኛ ምዃና ኣፍሊጣ።

ንሳ ወሲኻ፡ ዋሽንግተን ነቲ ዘተ ህይወት ከተልብሶ ብሓድሽ ኣቀራርባ ክተመጽእ ሓቲታ።

ዝሓለፈ ርክብ፡ ኣብ ጉዳይ ምልዓል እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ምፍልላያት ስለ ዘጋጠመ ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ታሪኻዊ ዝኾነ ርክብ ምክያዶም ይዝከር።