ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ትግራይ ዝተናወሐ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ዝፍቅዶምን ዝኽልክሎምን ነገራት

ከተማ መቐለ

መንግስቲ ትግራይ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝደንገጎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘለዎ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ'ዩ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ፀኒሑ ናብ ትግራይ ክኣትው ዝደሊ ሰብ: ን14 መዓልቲታት ኣብ መወሸቢ (መጋየሺ ቦታ) ከምዝፀንሕ ኣብቲ ዝተናወሐ ድንጋገ ተገሊፁ'ሎ።

እቲ መምርሒ ካብ ሰንበት 4 ሚያዝያ ጀሚሩ'ዩ ተግባራዊ ክኸውን። ቅድሚ ሰንበት ንዝመፅኡ ገያሾ ኣይምልከትን።ብድሕሪኡ ዝመፅኡ መንግስቲ ኣብ ዘሰናደኦ ቦታ ከምዝጸንሑን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ወይ እውን ኣብ ሆቴላት ክኸውን ከምዝኽእልን ኣባል ሓይሊ ዕማም [ኮማንድ ፖስት] ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ዘድሊ ወፃኢታቶም ድማ ባዕሎም ከምዝሽፍኑ መንግስቲ ኣፍሊጥዎም ኣሎ።እቲ ኣዋጅ ካብ መጋቢት 17 ኣትሒዙ ንሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ተናዊሑ። ኣብዚ እቶም ዝተኣገዱ ክልከላታት ኣይተልዓሉን።

ወላ እውን እቶም ድሕሪ 17 መጋቢት ዝተኣገዱ: ሕዚ እውን በቲ ተናዊሑ ዘሎ ኣዋጅ ተፈፃምነት ይህልዎም።ስለዚ 'እንዳ ቡንን ሻሂን ከምኡ'ውን እንዳ ስዋ ተፈቒዱ እዩ' ዝብል ጌጋ ከምዝኾነ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።እቲ ተጣይሹ ዘሎ ሓይሊ ዕማም በብ እዋኑ ነቲ ኩነታት እናገምገመ ክሳብ ዘመሓይሾ ኣብቲ ዝነበረ ድንጋገ ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ ተባሂሉ ኣሎ::ኣብ ትግራይ ለውጢ እንተመፂኡ እቲ ኣዋጅ ዕድሚኡ ክሓፅር ይኽእል ዝብል ሓሳብ ተዋሂቡ'ዩ።

ኮሮና
ኮሮና