ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እሱራት ይፈትሓ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ናይጀርያ፡ ን2600 እሱራት ምሕረት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ራኡፍ ኣረግበሶላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ንኽፍትሑ ቀዳምነት ዝተዋህቦም፡ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ብሕዱር ሕማም ዝሳቐዩን፡ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎምን'ዮም። ብውሕዱ 70 ካብኣቶም ሎሚ ክፍትሑ'ዮም።
ብተመሳሳሊ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፡ መንግስቲ ኣስታት 1200 እሱራት ከምዝፈትሕ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብያተ ማእሰርቲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ዘዕለቕለቓ ብምዃነን፡ እሱራት ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተቓልዑ ጌርዎም ይርከብ።
ኢትዮጵያ'ውን፡ መንግስታት ክልል ሓዊሱ ዝፈትሕዎም ወሲኸዑ፡ ብሐፈሻ ኣስታት 10 ሽሕ እሱራት ከም ዝፈትሐት ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



