መጥቃዕቲ ቱርኪ-ሶርያ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ዝተነብረ እገዳ ኣልዒሉ

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ቅድሚ ትሸዓተ መዓልቲ ኣብ ቱርኪ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ከም ዘልዓሎ ኣፍሊጡ።

እቲ እገዳ፡ ነቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ሶርያ ኣብ ዘለው ሓይልታት ኩርዲ ብዝወስደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ኣሜሪካ'ዩ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቱርኪ እቲ ውዕል ምቁራጽ ተዂሲ ንክቕጽል ናብ ዶብ ሶርያ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ክትልእኽ ስለ ዝተሰማምዐት'ዩ እቲ ማዕቀብ ተላዒሉ ኢሉ።

ኣብዚ ወርሒ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሰሜን ሶርያ ንዝነበሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ክወጽኡ ምስ ኣዘዘ፡ ቱርኪ ኣንጻር ኩርዳውያን ሓይልታት፡ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።

ትራምፕ፡ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ብደም ዝተቐብአ ከባቢ ካልኦት ሓይልታት ይዋግእዎ" ክብል ተዛሪቡ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክወጽኡ ምስ ኣዘዘ፡ ካብ ኣባላት ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ከቢድ ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ።

ሓይልታት ኩርዲ፡ ኣሸበርቲ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ምውጋእ መሻርኽቲ ኣሜሪካ እንተነበሩ እውን፡ ቱርኪ ግን፡ ኣሃዱ ምክልኻል ህዝቢታት ኩርዲ ተባሂሎም ንዝጽውዑ ምልሻ፡ ከም ኣሸበርቲ ስለ እትቖጽሮም፡ ክተጥቕዖም ጀሚራ።

ትራምፕ፡ ሕጂ ምስ ቱርኪ በጺሐዮ ብዝብሎ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ ድማ፡ "ካልእ ዘየሐጉሰና ሓድሽ ነገር እንተዘይተፈጢሩ፡ እቲ እገዳ ክለዓል'ዩ" ኢሉ።

ንሱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ዘላቒ ክኸውንን፤ መጥቃዕቲ ጠጠው ከተብልን ከም ዘረጋገጸትሉ ይሕብር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ፡ "ዉሑዳት" ወተሃደራቱ ኣብ ሶርያ ክጸንሑ ምኻኖም ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ጥራሕ፡ 80 ሽሕ ህጻናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 176 ሽሕ ሰባት ካብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ ተመዛቢሎም።

120 ንጹሃት ዜጋታት ተቐቲሎመ፡ 259 ሓይልታት ኩርዲ፣ 196 ብቱርኪ ዝድገፉ ሶርያውያን ተቓወምትን፤ ሸውዓተ ወተሃደራት ቱርክን ድማ ሞይቶም ይብል፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ።

ሰበ ስልጣን ቱርኪ ብወገኖም፡ ግዝኣት ቱርኪ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት 20 ስቪላውያን ብኣሃዱ ምክልኻል ህዝቢታት ኩርዲ ከም ዝተቐትሉ ይገልጹ።