ኣሜሪካ፡ ጋዜጠኛ ሲ ኤን ኤን ጂም ኣኮስታ ናይ ዋይት ሃውስ መእተዊ ፍቓዱ ተመሊስሉ

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ጋዜጠኛ ሲ ኤን ኤን ጂም ኣኮስታ ኣብ ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋይት ሃውስ [ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ] ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ`ቲ ፕረሲደንት ብምክትዑ ናይ ዋይት ሃውስ መእተዊ ፍቓዱ ኣሕዲግዎ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሲ ኤን ኤን ጂም ኣኮስታ መሊስሉ።

እቲ ስጉምቲ ናይ ዋይት ሃውስ፡ ሓደ ዳኛ ቤት ፍርዲ ንዝሃቦ ትእዛዝ ስዒቡ`ዩ መጺኡ።

ዋይት ሃውስ ነቲ ፍቓድ ናይ ምምላስ ውሳነ ኣመልኪቱ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ `እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ክትግበሩ ዘለዎም ደንብታት ኣቃሊሑ`።

ሓደ ካብቶም ደንብታት ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ጋዜጠኛ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ክሓትት ይግድድ።

ተኸተልቲ ሕቶታት ግን ብቓሕታ`ቲ ፕረሲደንት ወይ ካልኦት ሰብ መዚ ዋይት ሃውስ ጥራይ ይፍቀድ ኢሉ ዋይት ሃውስ ናብ ጋዜጠኛ ኣኮስታ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ።

ኣኮስታ ነቶም ደንብታት ምስ ዘይክተል ድማ ተወሳኺ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምዃኑ ሃውት ሃውስ ኣጠንቂቑ`ሎ።

ኣብ መጻኢ፡ ጋዜተኛታት ጭውነት ምስ ዘየርእዩ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ራሕሪሕዎ ከምዝኸይድ ኣጠንቂቑ`ሎ።

ኣኮስታ ብሰነይ ንዝተመልሰሉ መእተዊ ፍቓዱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቡ ግብረ-መልሲ፡ ዳግም ናብ ዋይት ሃውስ ዝምለሰላ መዓልቲ ንምርኣይ ከምዝህንጠይ ገሊጹ።

እቲ ባእሲ ብኸመይ`ዩ ጀሚሩ?

ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ሸሞንተ ሕዳር፡ ኣኮስታ ተኸታሊ ሕቶ ንፕረሲደንት ትራምፕ ንምሕታት ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ዋይት ሃውስ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ መጉልሒ ድምጺ ክትምንጥሎ ፈቲና።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድማ ንኣኮስታ `ደረቐኛን ደስ ዘየብልን ሰብ` ኢሉዎ፡ ንጽባሒቱ ድማ ኣኮስታ ናብ ዋይት ሃውስ ከይኣቱ ተኸልኪሉ።

ሲ ኤን ኤን ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ኣኮስታ መእተዊ ፍቓዱ ክምለሰሉ ሓቲቱ፡ ነቲ ናብ ዓቃባውነት ዝዛዙ ፎክስ ኒውስ ሓዊስካ ድማ ካልኦት ማዕከናት ዜና`ውን ነቲ ናይ ሲ ኤን ኤን ውሳነ ተጸንቢረንኦ።

እቲ ዳኛ ናይ ሓደ ቤት ፍሪዲ ዋሺንግተን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ኣፈናዊ ውሳነ፡ መንግስቲ ነቲ እገዳ ዝድግፍ ብቑዕ ምኽንያት ኣየቕረበን ብምባል ቅዋማዊ መሰል ኣኮስታ ካብ እዱብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዋይት ሃውስ ይረዝን ኢሉ።

ካብ ውርደት ምድሓን

ትንተና ብልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ዋሽንግተን ኣንቶኒ ዙከር

ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ሳራ ሳንደርስ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ ከርእይዎም ዘለዎም ቅቡላት ዝበለቶም ደንብታት ብቓና ናይ ዝሓረቐ ዘይኮነስ ተስፋ ዝቖረጸ ወላዲ ገይራ ዘርዚራ`ላ። እቶም ዝዘርዘረቶም ደንብታት ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትርጎሙ ይኽእሉ`ዮም። ኣየናይ ጋዜጠኛ`ዩ ፈለማ ተደራረብቲ ሕቶታት ክሕትት? መን`ዩ ተኸተልቲ ሕቶታት ቅኑዓት ምዃኖም ዝውስን?

ኣብቲ እቲ ፕረሲደንት ንባዕሉ ንጋዜተኛታት `ናይ ደንቆሮ ሕቶታት` ሓቲትኩም ዝብለሉ ዋይት ሃውስ፡ ከም`ዚ ጌርካ እንተድኣ ኮይኑ እዱብነት ንምትእትታው ዝድለ ዘሎ፡ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ዘዊርካ ዘሕልፉ ነዃላት ኣለዉ ማለት`ዩ።

እዚ ውሳነ`ዚ ብዝያዳ ነቲ መንግስቲ ካብ ውርደት ንምድሓን ዝተወስደ ይመስል። እቲ መንግስቲ ክዕወተሉ ኣብ ዘይክእል ናይ ቤት ፍርዲ ምውጣጥ ክኣቱ ከምዘይደለየ ድማ የርእየካ። ዋይት ሃውስ ድሌቱ ኣሚቱ`ሎ፡ ጋዜተኛታት ድማ ንወ/ሮ ሳንደርስ ወይ ብዓብይኡ ነቲ ፕረሲደንት ብሕቶ ቅድሚ ምጭናቖም ደጊሞም ክሓስብሉ`ዮም ማለት`ዩ።

ንናጽነት ማዕከናት ዜና ንዝጣበቑ ኣካላት ግን፡ እዚ ውሳነ`ዚ ቀዛሒ ምዕባለ`ዩ። ነቶም በቲ ናይ`ቲ ፕረሲደንት ንማዕከናት ዜና `ጸላእቲ ህዝቢ` ዝብል ኣገላልጻ ዝሕጎሱ ደገፍቱ ግን እዚ ውሳነ`ዚ ሓንጎፋይ ኢሎም ዝቕበልዎ ቀዳማይ ስጉምቲ`ዩ።