ፕሬዚደንት ትራምፕ ንዓቃብ ሕጊ ጄፍ ሴሽንስ ካብ ስርሑ ሰጒጉዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሩስያ ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ኣሜሪካ ንዝነበራ ኢድ ካብ ዝምርምር መስርሕ ነብሱ ዘግለለ ዓቃብ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሴሾንስ፡ ብዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ነዚ ካብ ስልጣኑ ዘሰናበቶ ዓቃብ ሕጊ ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ እዋን ``ኣዝዩ ድኹምን ሕሱርን`` ሰብ ኢዩ ብምባል ኣብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት የናሽዎ ነይሩ።
ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዓቃብ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሴሾንስ ካብ ስልጣኑ ኣሰናቢትዎ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ``ንዓቃብ ሕጊ ጄፍ ሴሾንስ ስለቲ ዝሃቦ ኣገልግሎት ነመስግኖን ጽቡቕ ድማ ንምነየሉን`` ኢሉ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቐጻሊ ነቶም ላዕለዎት ኣኽበርቲ ሕጊ ሰበስልጣናት ክነቕፎም ጸኒሑ፡ ብፍላይ ጄፍ ሴሽንስ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሩስያ ዝግበር ዝነበረ መርመራ ነብሱ ድሕሪ ምግላሉ።
ንግዚኡ ጄፍ ሴሽንስ በቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር መርመራ ዝነቐፈ፡ ሓለቓ ስታፍ ማትዩ ዊትከር፡ ክትካእ ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።
ኣብቲ ኣባል ሴኔት ግዝኣት ኣላባማ-ነበርን ኣብቲ ፈለማ እዋን ድማ ደጋፊ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝነበረ፡ ጄፍ ሴሽንስ ዘቕረቦ ንጹር ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ ብናቱ ድልየት ከምዘይኮነ ገሊጹ።
``ክቡር ፕሬዚደንት በመሰረት ጠለብካ ናይ ስንብታ ደብዳበይ የቕርብ ኣለኹ`` ኢሉ ኣብ ደብዳቢኡ።
ጄፍ ሴሽንስ ንፕሬዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ድሕሪ ምምስጋን፡ ``ኣብ ስራሕ ኣብዝነበርኩሉ እዋን፡ ስርዓተ ሕጊ ኣብ ምጽናዕን ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዕማማተይ ነይሮም`` ኢሉ።
ስለምንታይ`ዩ ሴሾንስ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ?
ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ብፍላይ ድሕሪ ጄፍ ሴሽንስ ኣብ 2017 ካብቲ ናይ ሩስያ መርመራ ነብሱ ምግላሉ፡ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣኽበርቲ ሕጊ ከባጩ ጸኒሑ።
ፍሉይ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ሮበርት ሙለር ፕሬዚደንት ትራምፕ ንምርጫ ጎስጉሳ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ምስ ሩስያ ዝነበሮ ምምሽጣር ዝሕብር ጭብጥታት የናዲ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
``ሴሽንስ ጨሪሱ ካብቲ ናይ ሩስያ መርመራ ነብሱ ከግልል ኣይነበሮን፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እንተድኣ ነይርዎ ድማ ቅድሚ ነቲ ሓላፍነት ምቕባሉ ክሕብረኒ ነይርዎ፡ ኣነ ድማ ካልእ ሰብ ምመዘዝኩ ነይረ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሴሽንስ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ብፍላይ ኣባል ሴኔት ኣብዝነበረሉ ምስ ኣምባሳደር ናይ ሩስያ ዝገበሮ ርክብ ብዘይምሕባሩ ምስ ወንጀልዎ ኢዩ ብፍቓዱ ካብቲ ናይ ሩስያ መርመራ ነብሱ ዘግለለ።
እንተኾነ ሴሾንስ ድሕሪ`ቲ ናይ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ወቐሳ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ እዋን ናይ ትራምፕ ናት ምርጫ ጎስጓስ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ምስ ናይ ሩስያ ኣምባሳድር ዘካየድኩዎ ርክብ ረሲዐዮ ነይረ ኢሉ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ሴሽንስ ``ኣዝዩ ድኹምን ሕሱርን`` ሰብ ኢዩ ብምባል ኣብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከናሽዎ ተሰሚዑ።
እንታይ ንጽበ?
ምክትል ዓቃብ ሕጊ ሮድ ሮዝንስታይን ነቲ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ሮበርት ሙለር መርመራ ኣይክመርሖን ኢዩ፡ በንጻሩ ኣቲ ንግዚኡ ዝተመርጸ ማትዩ ዊትከር ነቲ ሓላፍነት ክወስዶ ኢዩ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቐጻሊ ነቲ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ዘካይዶ ዝነበረ መርመራ ስም ንምድዋን ዝተፋሕሰ ውዲት ኢዩ ካብል ጸኒሑ፡ ካብ ስርሑ ክስጎ ግና ኣይክእልን ኢዩ፡ ንሴሽንስ ዝተከአ ማትዩ ዊትከር ግና ክሰጎን ነቲ መርመራ ደው ከብሎን ስልጣን ኣለዎ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ግንቦት 2017 ንዳይሬክተር ፌዴራልዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ - ኤፍ ቢ ኣይ - ጀምስ ኮመይ ካብ ስርሑ ምስሰጎጎ ኢዩ እቲ ምክትል ዓቃብ ሕጊ ሮድ ሮዝንስታይን ነቲ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ማትዩ ነቲ ናይ ሩስያ መርመራ ከካይድ ዝመዘዞ።
እንታይ ተቓውሞ ኣስዒቡ?
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት በቲ ምስጓግ ዓቃብ ሕጊ ሴሾንስ ኣዝዮም ተቖጢዖም።
ኣባላት ሴኔት ሰልፊ ዴሞክራት፡ ሹመር፡ ድሕሪ`ቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ሮበርት ሙለር መርመራ ምዕቃብ ``ዓቢ ኣቓልቦ`` ክንህቦ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዓቃብ ሕጊ ዝንበረ ኤሪክ ሆልደር፡ ኣቶም ኣብቲ ናይ ሙለር መርመራ ኢዶም ከእትዎ ዝደልዩ ተሓተቲ ከምዝኾኑ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







