ኣሜሪካ ካብ ሩስያን ቻይናን ዝነቅል ስግኣት ንምምካት ወታሃደራታ ካብ ኣፍሪቃ ትስሕብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ካብ ሩስያን ቻይናን ዝነቅል ስግኣታት ንምግታእ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ክትስሕብ'ያ።
ኣስታት 700 ኣንጻር ግብረሽበራ ክዋግኡ ዝጸንሑ ወታሃደራት ካብታ ኣህጉር ከም ዝወጹ ክፍሊ ምክልኻልእታ ሃገር ፡ ፐንታጎን፡ ኣፍሊጡ።
ኣስታት 7, 200 ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ናይጀርያን ሊብያን ዝርከበአን ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ካብ ሕጂ ንኔው ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክህቦ ዝጸንሐ ስልታዊ ደገፍ ናብ ምኽርን ምቕባል ስለያዊ ሓበሬታን ክሰጋገር ምዃኑ'ውን ፐንታጎን ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ከም በዓል ሶማልያን ጂቡቲን ክገብሮ ዝጸንሐ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝዓለመ ስርሒታት ከም ዘለዎ ክቕጽል'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ናይ ምስሓብ መስርሕ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ዓመታት ክፍጸም ምዃኑን፡ እቲ ስጉምቲ ኬንያ፡ ካሜሩንን ማሊን ዘጠቓለለ ክኸውን'ዩ።
እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ማሊ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኣሜሪካ ዝተኻየደን ኣርባዕተ ወታሃደራት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምስሓብ ናይቶም ወታሃደራት ተራ ከም ዘይብሉ'ውን እቲ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።
እዚ ስጉምቲ'ዚ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓድሸ ሃገራዊ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ኣብ ዝነድፈሉ ዘሎ እዋን ዝውስድ ዘሎ'ዩ።
እቲ ስትራተጂ፡ ኣብቲ "ዓቢ ናይ ሓይሊ ውድድር" ("Great Power competition") ኢሉ ዝሰመዮ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝግበር ቅድድም መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይንገር።
ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነጥፍ ብኣፍሪኮም ዝፍለጥ እዚ ከም ዘለዎን፡ 4000 ዝኣክል ብዝሒ ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ከም ዝርከብን ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







