ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝነቐፈ ኣቶ ታየ ደንድኣ ተኣሲሩ

ካብ መዝነት ሚኒስቴር ድኤታ ዝተሰጐጐ ኣይተ ታዬ ደንድኣ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF PEACE/FB

ካብ መዝነት ሚኒስተር ድኤታ ዝተሰጐገ ኣይተ ታየ ደንድኣ “መንግስቲ ንምዕላው ውዲት ብምፍሓስ” ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ።

ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቶ ታየ መንግስቲ እታ ሃገር “ሸኔ” ኢሉ ምስ ዝፅውዖ ኣመራርሓ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ርክብ ብምፍጣር መንግስቲ ንምዕላው ውዲት ይፍሕስ ነይሩ ኢሉ።

“ምስ ኣመራርሓ ኦነግ ሸኔን ብግብረ ሽበራ ምስ ዝተጠርጠሩ ኣኽረርቲ ሓይልታትን ርክብ ብምፍጣር፡ መንግስቲ ብዓመፅ፡ ብግብረ ሽበራ ዕጥቃዊ ቃልስን ንምዕላው ውዲት ክኣልም ተረኺቡ” ይብል፡ እቲ መግለፂ።

ኣቶ ታየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ እታ ሃገርን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ይካየድ ንዝነበረ ልዝብ ምፍሻሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ምዃኑ ምግላፁ ይዝከር።

ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መዝነቱ ዝተሰጐገ እቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ “ኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐሱ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ብምልፋን ንጥፍኣት ብሕቡእ ክሰርሕ ጸኒሑ” ክብል እቲ ግብረ ሓይሊ ከሲሱ።

ብተወሳኺ ኣብ ሚኒስተር ሰላም ላዕለዋይ በዓልመዚ ዝነበረ ኣቶ ታየ ደንድኣ፡ “ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ይፍፀሙ ኣብ ዝነበሩ ተግባራት ግብረ-ሽበራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መጭወይቲ ኢድ ከም ዘለዎ ከም ዘረጋገጸ” ሓቢሩ።

ኣቶ ታየ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ንመንግስትን ንውድቡ ብልፅግናን ንምዕላው ይፍትን ነይሩ ክብል ድማ ከሲስዎ ኣሎ።

መንግስቲ ነዚ ብምርዳእ “ዘይተሓለለ መጽናዕትን ክትትልን ክገብረሉ ፀኒሑ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ወዓለ፡ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ዝተገበረ ተፍትሽ፡ “ብሕቡእ ንዝገብሮ ጸረ ሰላም ምንቅስቓስ ይጥቀመሎም ዝነበረ ትሽዓተ ሞባይላት፡ ኣርባዕተ ላፕቶፓት፡ ሰለስተ ኣይፓዳት፡ ብዙሓት ፍላሽ ዲስክን ዝተፈላለየ ታርጋ ቍጽሪ ዘለወን ኣርባዕተ መኻይንን ከም ዝተረኸበ” ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ “ፍሉያት መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስ፡ ክላሽንኮቭ፡ ጠበናጁ፡ ሸጋጕጥ፣ ጠያይቲ፡ ኣርማታት ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ፡ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝተዳለዉ መለለይ መንነት እቲ ሰራዊት፣ ሰነዳትን መዘክር ደብተራትን ተረኺቦም” ኢሉ።

ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱን ክግምትን “ተቓላሳይ ንምምሳል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍራስን ፀረ ሰላም ጽሑፋትን፡ ዘረባታትን መግለጺታትን መን ከይሓተኒ ብምባል ከመሓላልፍ ጸኒሑ” ይብል መግለጺ እቲ ሓይሊ ዕማም።

ኣቶ ታየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ብሕጊ ዘሕትቶ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “እዚ (ብሕጊ ምሕታት) እንታይ ፀገም ኣለዎ? ግን ኣበይ ዘሎ ሕጊ እዩ እሞ፡ ብሕጊ ክሓቱኒ። እንተሓቲቶምኒ ድማ ድሉው እየ” ኢሉ ነይሩ።

ኣቶ ታየ ደንድኣ፡ ካብ ካልኦት ሰብመዚ እታ ሃገር ብዝተፈለየ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ብምንቃፍን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ብዝህቦ ቃለ-መሕትትን ይፍለጥ።

ኣቶ ታየ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ ብሰኑይ ብመገዲ ፌስቡክ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ “ዝተዛረብካዮን ዝጸሓፍካዮን ሓሳብ ምድማር ሓቂ መሲሉኒ ስዒበካ። ሕጂ ግን ኣብ ዝተዛረብካዮ ዘይትነብር ጥራይ ዘይኮነስ ብደም ሰብ ትጻወት ኣረሜን ምዃንካ ተረዲአ። ሓቂ መሲሉኒ፡ ብሽም ህልውና ሃገር ክካየድ ዝጸንሐን ኢትዮጵያውያን ካብ ምቕታል ሓሊፉ ነታ ሃገር ዘልመሰን ከንቱ ኵናት ኣብ ዘዳምቐልካ እዋን ትንእደኒ ነይርካ” ክብል ገሊጹ ነይሩ።

መግለጺ እቲ ሓይሊ ዕማም ግን፡ ኣቶ ታየ “ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ቀታልን ጨፍጫፍን ብምባል ክወቅስ ዝስማዕ እኳ እንተዀነ፡ ብተግባር ግን፡ ምስ ግብረ ሽበራውያን፣ ኣኽረርትን ቀተልቲ ነፍስን ርክብ ከም ዝነበሮ፡ ብዝተገበረ ክትትል ተረጋጊጹ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ መንግስቲ ኣብ መሓውር ውድብን መንግስትን ኰይኖም ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ኣካላት ክትትል ይገብር ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ኣቶ ታየ ደንደኣ መን እዩ?

ኣቶ ታየ ደንድኣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኩዩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተወሊዱ።

ኣብ 1990ታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሕጊ ንምምሃር ዕድል'ኳ እንተረኸበ፡ ትምህርቱ ቅድሚ ምውድኡ ግን ብግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ስለ ዝተኣሰረ ትምህርቲ ከቋርጽ ተገዲዱ።

ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ ድማ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ዳግማይ ተራእዩ፡ ካብቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ሽበራ ነጻ ስለዝዀነ ንኽፍታሕ ተበይኑ።

እንተዀነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ብገበን ሽበራ ተጠርጢሩ ዳግማይ ተኣሲሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣቶ ታየ ብግብረሽበራ ምስ ዝሰመዮ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ርክብ ከም ዘለዎን፡ ሰባት ኣኪቡ ኣብ ኬንያ ብምስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ ብምልኣኽን ብዝብል'ዩ ኣሲርዎ።

ኣቶ ታየ በዚ ክሲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተፈረደ እንትዀን፡ ኣብ 2008 [ግእዝ] ተፈቲሑ። ኣብ ዝተኣሰረሎም ሸውዓተ ዓመታት ‘ገላ ደሎታ’ ወይ ‘ስንቂ ንመፃኢ ትውልዲ’ ዝብል መጽሓፍ ነበርያ ነበረን ምስላን ጽሒፉ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ድማ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ፈደራልን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣቶ ታየ ኣብ 2013 [ግእዝ] ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ኩዩ ተመሪፁ ኣባል ባይቶ ክልል ኦሮሚያ (ጨፌ) ኰይኑ፤ ካብ 2014 ጀሚሩ ድማ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስተር ሰላም ብምዃን ክሳብ 30 ሕዳር 2016 [ግእዝ] ከገልግል ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።