‘ዘተ ሰላም ከይዕወት ዝገበረ መንግስቲ’ዩ’ - ሚኒስተር ታዬ ደንደአ

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ሰልፊ ብልጽግናን ሚኒስተር ዲኤታን ታዬ ደንደአ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF PEACE

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ሰልፊ ብልጽግናን ሚኒስተር ዲኤታን ታዬ ደንደአ

ታዬ ዳንደኣ፡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም፣ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ከምኡ’ውን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እዩ።

ፖለቲካ ኦሮሞን ጉዳያት ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ሓሳባቱን መርገጺኡን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምክፋል እውን ይፍለጥ።

ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ብዝምልከት ነቲ ኣባል ዝዀኑሉ መንግስቲ ይነቅፍ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ቃል ዝተኣትወሎም መብጽዓታት፡ ኣብ ሞንጐ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣብ ስድርኡ ዝበጽሐ ጉድኣትን ከምኡ’ውን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።

ብዛዕባ ኵነታት ኦሮምያ

ኣብ 2010 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኣየ ፖለቲካዊ ለውጢ ስዒቡ፡ ኦሮሞ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ መጽአ ብልጽግናን ዲሞክራስን ክሰፍን ተስፋ ተገይሩ ከም ዝነበረ ኣይተ ታዬ ይዛረብ።

“ዓቢ ፍናን ነይሩ። ህዝቢ ተስፋ ዝገበሮ እቲ ን150 ዓመታት ዝጸንሐ ጸገም ተኣልዩ ዴሞክራሲ ክመጽእ እዩ ነይሩ። ከም ጉዳያት ቋንቋ፡ ቁጠባን ካልኦት ዓበይቲ ህዝባዊ ሕቶታት ዝዀኑ ጉዳያትን መልሲ ክረኽቡ ተስፋ ነይሩ" ይብል።

ህዝቢ ሰላም ክረክብ፡ ብሰላም ወጺኡ ክኣቱ፡ ብሓባር ሰሪሑ ብሓባር ምዕባለ ክረክብን ፖለቲካ ድማ ክምዕብልን'ውን ተስፋ ብዙሓት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

"ኦሮሞ ንሕድሕዱ ተዛትዩ ጸገሙ ክፈትሕ፡ ምስ ብሄረሰባት ብሰላም ክነብር ዓቢ ተስፋ ነይሩ። እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ መጀመርታ ክፉት እዩ ነይሩ። ተበግሶ ህዝቢ’ውን ልዑል’ዩ ነይሩ።"

እንተዀነ ብኸመይ ንቕድሚት ክንስጉም ዝብል ትልሚ ስለ ዘይነበረ እቲ ሕዚ ዘሎ ጸገም ከም ዝተፈጥረ ይገልጽ።

“እቲ ለውጢ ምስ መጽአ፡ ሰባት ናብ መኽሰብን ስልጣንን ከዘንብሉ ጀሚሮም። ንሕድሕድካ ምጥልላፍ ተጀሚሩ። ካልእ ይትረፍ ኣብ ኦዲፒ (ኣብቲ እዋን ገዛኢ ሰልፊ ኦሮምያ) ኣብ ሓደ ኣጀንዳ ተመኻኺርካ ምስራሕ ኣይተኻእለን” ይብል።

ብድሕሪ’ዚ ፖለቲካ ኦሮሞ ናብ ምብትታን ተሰጋጊሩ። ኣብ ፖለቲካዊ ኦሮሞ ብዝተፈጥረ ምድንጋር፡ ካልኦት ናብ ጫካ ክኣትዉ ምስ ተገበረ፡ ሕሰም ህዝቢ ነቶም ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ዓቢ ዕድል ፈጢሩሎም ክብል ይኸስስ።

ታዬ፡ ነቲ ብሕሰም ህዝቢ ይነግድ ኣሎ ዝበሎ ኣካል ግን ብስም ኣይጠቐሰን።

ቃልሲ ኦሮሞ ብትኽክልን በቲ ፈለማ ቃል ዝተኣተወሉን ኣገባብ ስለ ዘይተተግበረ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ውሽጢ 150 ዓመት ርእይዎ ናብ ዘይፈልጥ መከራ ክኣቱ ከም ዝገበረ’ዩ እቲ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝዛረብ።

መን እዩ ተሓታቲ?

ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ቃልሲ ኦሮሞ ዝተሳተፉ ሰባት ተሓተትቲ ምዃኖም ዝጠቅስ ታየ፡ ንሱ ባዕሉ ተሓታቲ ክኸውን ድሉው እየ ይብል።

"መንግስቲ ዓቢ ተሓታቲ’ዩ። ዓውዲ ፖለቲካ ምቹእ ክገብርን ህዝቢ ናብ ዲሞክራሲ ክሰጋገርን ግዴታ ነይርዎ። እቶም ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝነበሩ ግን ልዝብ ኣይመረጹን።”

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሕዚ ኣብ ኦሮምያን ኣብታ ሃገርን ዘጋጠሙ ጸገማት ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2011 ኣብ ኣኼባ እቲ ሰልፊ ከም ዝኽሰቱ ጠቒሱ’ኳ እንተነበረ ሰማዒ ኣይረኸበን።

“ኣብ 2011 ምስ ምሁራት ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጸገማት ከም ዝኽሰቱ ገሊጸ ነይረ። መጀመርያ ስእነት ሰላምን ድሕንነትን፣ ቁጠባዊ ውድቀት፣ ውድቀት ምምሕዳርን ዲፕሎማሲን ክኽሰቱ እዮም ኢለ ነይረ” ብምባል መንግስቲ ኣቐዲሙ ምድላዋት ክገብር ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝክር።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሱ ክሓስቦ ከሎ ካብ ዝጠቐሶም ፀገማት እቶም ሰለስተ ብጭቡጥ ኣጋጢሞም ፀገም ይፍጠር ከም ዘሎ ይገልጽ።

እዞም ጸገማት ቅድሚ ምኽሳቶም ኣድላዪ ስራሕ ስለ ዘይተኸኣለ፡ ኣብታ ሃገር ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ከምኡ’ውን ውድቀት ከም ዘስዓበ ብምግላጽ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ጥራሕ ናይ 28 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዘምጽአ ይጠቅስ።

'ብልሽውና ቀይሕ ምንጻፍ ኰይኑ . . .'

ኣይተ ታዬ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ብልሽውናን ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓን ብሰፊሑ ከም ዝተዘርገሐ ብግልፂ ይዛረብ።

"ካብቲ ቅድሚ ሕዚ መሬት ይስረቕ ኣሎ ዝበሃል ንላዕሊ ሕዚ ሕጋዊ ኰይኑ ብቓላት ንምግላጽ ብዘጸግም መልክዕ ተዘርጊሑ ምምሕዳራዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ" ይብል።

ብኻልእ ወገን ድማ ዋጋ መነባብሮ ሰማይ ዓሪጉ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክራይ ገዛ ክኸፍል ስለ ዘይክእል እቲ ንኣዝማዱ ዝድግፍ ዝነበረ ሰራሕተኛ ሕዚ ብስድርኡ ይድገፍ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ኣብ 2012 እቲ ሰልፊ ናብ ብልጽግና ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸበሉ፡ እቲ ለውጢ ዋና ክህልዎ፡ ነቶም ንለውጢ ክብሉ ዋጋ ዝኸፈሉ ኣፍልጦ ክወሃቦም፡ ንመንእሰያት ዕድል ስራሕ ክፍጥርን ኣብ ብልሽውና ድማ ተሓተትነት ክህሉን ሓቲቱ ዝሰምዖ ከም ዘይረኸበ ኣይተ ታዬ ይጠቅስ።

‘ዝቃተሉ ዘለዉ ኣሕዋት እዮም’

ኣይተ ታዬ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኲናት ከም እትርከብን እቲ ህዝቢ’ውን ዘስካሕክሕ ህይወት ይነብር ከም ዘሎን ይሕብር።

“ህዝብና ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ይመውት ነይሩ። ክንደይ ከም ዝሞቱ ኣይፍለጥን። ኣብ ቃዛ ኩናት ካብ ዝጅምር ኣብ እስራኤል ክንደይ ሰባት ሞይቶም፡ ኣብ ፍልስጤም ክንደይ ሞይቶም ብቁጽሪ ይፍለጥ’ዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ህልቂት ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።"

"ክንደይ ኣባይቲ ድኻታት ተቓጺሎም፡ ክንደይ ሲቪል ሞይቶም፡ ክንደይ ንብረቶም ተዘሚቶም፡ ክንደይ ኣካሎም ጎዲሉ ዝብል ዝፈልጥ ሰብ የለን” ይብል።

ወሲኹ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ብዘይተረኣየ መልክዑ እዩ ዝፍጸም ዘሎ” ብምባል እቲ ኵነታት ከቢድ ምዃኑ የስምር።

‘መሮ ንሰላም ተወፋይነት ኣርእዩ፡ መንግስተይ ግን ነቲ ሰላም ዓንቂፉ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብታ ንፈለማ እዋን ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ልዝብ ሰላም ከም ዝተጀመረ ዝተሰምዓላ መዓልቲ፡ ታዬ ኣብ ከተማ ገብረ ጉራቻ ህዝቢ የዛትይ ከም ዝነበረ ይዝክር።

እቲ ህዝቢ ልዑል ተስፋ ኣሕዲሩ ከም ዝነበረ ድማ ወሲኹ ይጠቅስ።

“’ተቓጺልና፡ ተጸጊምና፤ ምእንቲ ኣምላኽ ክትብሉ እዚ ዘተ ፍረ ከፍርይ ግበሩልና። ብሰላም እንተዘይተዛዚሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ተወዲእና ኢና፡ ሕዚ ድማ ዝገደደ ክንውዳእ ኢና’ ኢሎምኒ" ይብል።

ቀዳማይን ካልኣይን ልዝብ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነበሩ ተወለድቲ ኦሮምያ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝካየድ ኲናት ክዛዘም ብምሉእ ተስፋ ይጽበዩ ነይሮም።

ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ታንዛንያ ዳረሰላም ክካየድ ዝጸንሐ ዝጸንሑ ካልኣይ ዙር ዘተ ፍረ ከየፍረየ ከም ዝተዛዘመ ይዝከር።

"እቲ ዘተ ሰላም ክዕንቀፍ ዝገበረ እቲ ኣነ ዘለኹሉ መንግስቲ’ዩ" ይብል ኣይተ ታዬ።

መንግስቲ “ብምድንጋር ክሓልፍ’ዩ ዝደሊ። መንግስተይ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኣለዎ" ብምባል መንግስቲ ንኽዛተይ ድልው ከም ዘይነበረ የመልክት።

"ካልኣይ፡ ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝመርሕ መሮ፡ ‘መንግስቲ እንተደልዩ ይቐተለኒ’ ኢሉ መንግስቲ ብዝቆጻጸሮ ክሊ ኣየር ሰጊሩ ናብ ታንዛንያ ምኻዱ ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"

ኣብ ታንዛንያ ዘተ ተጀሚሩ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ብወገን መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ከም ዝተጀመረ ኣይተ ታዬ ይዛረብ።

"’ንሸኔ ኣጥፊእናዮ ኢና፡ ዓንዲ ሕቖኡ ሰቢርናዮ’ ዝብሉ ፕሮፖጋንዳ ተጀሚሩ። ፕሮፖጋንዳ ጥራሕ ዘይኰነስ ሰራዊት ካብ ዘለዎ ተንቀሳቒሱ ነቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘይተዛዘመ ኲናት ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከብቅዕ፡ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ” ክብል ብወገን መንግስቲ ተወፋይነት ከም ዘየለ የብርህ።

ዘተ ሰላም፡ ሓላፍነት ሚኒስትሪ ሰላም ወይስ ሚኒስትሪ ፍትሒ?

ምስ ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ዙር ዘተታት፡ ሚኒስትሪ ሰላም ከም ዘይተሳተፈሎም ብምግላጽ ኣይተ ታዬ ንመንግስቲ ይወቅስ።

"ጉዳይ ዘተ ሰላም ብሕጊ ንዓና ዝተዋህበ'ዩ” ይብል።

ጉዳይ ሰላም ብኣዋጅ ንሚኒስትሪ ሰላም ዝተወሃበ ሓላፍነት’ኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ግን ሚኒስትሪ ፍትሒ’ዩ።

“እቲ ሕጊ ድርድር ሰላም ንሚኒስትሪ ፍትሒ ይመልክት ኣይብልን። ድሒሩ ሓደ ወገን ነቲ ስምምዕ እንተዘይተቐቢሉ ግን ብሕጊ ዝሓቶ ሚኒስትሪ ፍትሒ እዩ።"

ይኹን’ምበር ሚኒስትሪ ፍትሒ ንባዕሉ ኣብቲ ስምምዕ ተሳታፊ ኰይኑ ጽባሕ ተመሊሱ ነቲ በዳሊ ወገን ከመይ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ብምባል ተራ ሚኒስትሪ ሰላም ከም ዘይተኸበረ ይጠቅስ።

ሚኒስትሪ ሰላም ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ሰላም ከም ዘየለ ዝተሓተተ ኣይተ ታዬ፡ ሚኒስትሪ ሰላም ብምምኽኻር ኣብ ዝህነጽ ሰላም ይሰርሕ እምበር ኲናት እንተተላዒሉ ተሓታቲ ከም ዘይኸውን ኣብሪሁ።

"ጸገም ምስ ዝፍጠር፡ ነቲ ቅትለት፡ ኲናት ወይ ግጭት ደው ከነብሎ ስልጣን ኣይተወሃበናን" ይብል።

በዓል ስልጣን መንግስቲ ኰይንካ ንመንግስቲ ትወቅስ ዘለኻ ተሓታቲ ንዘይ ምዃን ድዩ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ።

“ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ’የ ጸኒሐ። ሓንቲ ሳንቲም ክረክብ ዝገበርክዎ ነገር የለን። ንህዝቢ ኦሮሞ ይጠቅም ዝበልክዎ እየ ዝገብር። ስለዚ ካባይ ትጽቢት ዝግበር እገብር። ኣነ ዝዛረብ ዘለኹ መስመር ንኽሕዝ እምበር ነብሰይ ሓራ ንምውጻእ ኣይኰንኩን" ክብል ተሓታቲ ንምዃን ድልው ምዃኑ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ሰልፊ ዝሰምዖ ስለዝሰኣነ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሳቦም ንህዝቢ ክገልጽ ከም ዝወሰነ ድማ ተዛሪቡ።

‘ኣብ ጊዳሚ ዘይተፈትሐ ኲናት ሱልልታ ምስ በጽሐ ኣይፍታሕን’

ኣብ ዳሬሰላም ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ብዘይ ዓወት ምስ ተዛዘመ፡ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ፡ "ሰላም ዝኣበየ ኣካል ተገዲዱ ናብ ሰላም ንኽመጽእ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዘሎ ጸገም ብኲናት ንምፍታሕ ይስራሕ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ይብል እቲ ሚኒስተር ዲኤታ።

"እቶም ሰባት [ዕጡቓት] ኣብ ጊዳሚ እናሃለዉ መፍትሒ ዘይኣምጽአ ሰራዊት ሕዚ ሱሉልታ ምስ በጽሑ ነቲ ጸገም ኣይፈትሕን" ብምባል ርእይቶኡ ይገልጽ።

"ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቄለም ወለጋ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ወረዳታት እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ይዋጋእ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሰራዊት ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን። ሕዚ እቲ ሰራዊት [ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ] ተዘርጊሑ ዘይርከበሉ ቦታ የለን ምባል ይከኣል። ሕዚ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ሱሉልታ ከይተረፈ ኣሎ" ብምባል ኲናት ፍታሕ ኣየምጽአን ዝብል ርእይቶኡ ገሊጹ።

ኣይተ ታዬ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ክልተ ግዜ ብኣካል ተራኺቡ ብዛዕባ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ፀገም ከም ዝተዘራረቡ ይገልጽ።

"መጀመርያ ኣባገዳታት ከረዩ ኣብ ዝተቐተሉሉ እዋን'ዩ ምስኡ ተዘራሪበ። 'ብዛዕባ ኦሮሚያ ዝበጽሓካ ጸብጻብ ሓሶት'ዩ። እቲ ልምዓት ዝበሃል እውን ናይ ሓሶት እዩ። ብዛዕባ ሰላም ዝዝረብ ዘሎ ከምኡ ኣይኰነን። ህዝብና ይውዳእ ኣሎ” ኢሉ ከም ዝነገሮ ይገልጽ።

ሓደ ኣባል ስድራቤት ናብቲ ዕጡቕ ሓይሊ እንተተጸንቢሩ፡ ስድራቤቱ፡ ስድራ ሸኔ ተባሂላ ኣደን ኣቦን፡ ወድን ሓውን ከም ዝእሰሩን ከም ዝሳቐዩን ንኣብይ ከም ዝገለጸሉ ይዛረብ።

“ዝኣረሞ መሲሉኒ ነይሩ። ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን። ነቶም ሰባት ዝቐተሉ ኣይተሓተቱን፤ ኣብቲ እዋን በዚ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ ስልጣን’ዮም ዘለዉ። ንምንታይ ከም ዝገደፎ ኣይተረደኣንን።”

ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኦሮምያ "ርእይቶይ ከይገልጽ ከልኪሎሙኒ” ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምጽሓፉ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተራኸቡ ይዛረብ።

“ንምንታይ ከምኡ ጌርካ ኢሉ ሓቲቱኒ። ‘ኣነ ንህዝቢ’የ ወኪለ። ናይ ምዝራብ መሰል ክኽልከል የብሉን። ሰብ ካብ መሬት ተላዒሉ መሰለይ ስለ ዝዓፈነ ጥራይ እየ ተዛሪበ’ ኢለዮ” ይብል።

‘ኣደይ ዝበለትኒ ፈጺመ ኣይርስዖን’

ኣይተ ታዬ ኣብ ሰሜን ሸዋ ንህዝቢ ወረዳ ኩዩን ከባቢኡን ወኪሉ እዩ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኦሮምያ ተጸንቢሩ። ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስቲን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እቲ ዝወከሎ ህዝቢ ይሳቐ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ብሰንኪ ስእነት ሰላም ናብ ከባቢኡ ከይዱ ነቲ ዝወከሎ ህዝቢ ይኹን ንስድርኦም ክርእይ ከም ዘይከኣለን ኣዲኡ ትርከቦም ኣዝማዱ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዩ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ተኸፈለ ከም ዝተፈትሐ’ውን ሓቢሩ።

ኣይተ ታዬ ደንደኣ፡ ቅድሚ ዓመታት ናብ ናይ መሰል ቃልሲ ክጽንበር ከሎ ኣዲኡ ዝበለቶ ከም ዘይርስዕ ይዛረብ።

"’እቲ ንስኻትኩም ‘ወጽዓ’ እትብልዎ ኣበይ ኣሎ? ንሕና ብሰላም መሬትና ንሓርስ፣ ብሰላም ናብ ዕዳጋታት ከይድና ንምለስ ኣለና’ ኢላትኒ። ሕዚ ድማ ሰባት ኣባይቶም ምስ ተቓጸለ፡ ከብቶም ምስ ተሓራዳ፡ ኣዝማዶምን ኣሕዋቶምን ምስተሳቐዩ፡ 'እቲ ክትደልይዎ ዝወጻእኹሙሉ ነጻነት ለካ እዚ እዩ’ ኢላትኒ ኣደይ” ክብል ተዘኪሩ።

"ኣብዚ ኲናት ዝቃተሉ ዘለዉ ኣሕዋት እዮም" ዝብል ኣይተ ታየ፡ ንሰላም ምዝታይ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ የስምረሉ።

"ነቲ ተዓጢቑ ዝቃለስ ዘሎን ነቲ ኣነ ዝርከበሉ መንግስቲን ዘለኒ መልእኽቲ፡ ህዝብና ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ከፊሉ'ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክኸፍል የብሉን። ንህዝቢ ክንብል ጸገማትና ብዘተ እንተፈታሕና ይሓይሽ።”