ኣብ ልዝብ ዛንዚባር እንታይ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ?

ኣብ ልዝብ ዛንዚባር እንታይ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ?

ጠረጴዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐስሉ ብፍላይ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ከቢድ ቅልውላው ክፈጥር ስለ ዝጸንሐ፡ እቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ድፍኢታት ክግበር ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክዛተ ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ'ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ቅድመ ኵነት ተቐቢሉ፡ ክዛተ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን፡ ኣብ ደሴት ዛንዚባር፡ ታንዛንያ ዝርርብ ተጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ።

ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ዛጊት ኣብ ዛንዚባር ኣጀንዳ ንምቕራጽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፤ ክልቲኦም ወገናት ድሌታቶም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ክሊ እቲ ዘተ፡ ክለዓሉ ዝኽእሉ ቀንዲ ጉዳያት እንታይ እዮም ክዀኑ? ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ቢቢሲ፡ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ ተወኪሱ ክድህስሶ ፈቲኑ'ሎ።

ጠለባት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ

‘ቃልስና ንናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ እዩ’ ዝብል መራሒ እቲ ሰራዊት ከምዝዀነ ዝንገረሉ ጃል መሮ፡ "ዕላማና ህዝቢ ኦሮሞ፡ ፖለቲካዊ ይዅን ወተሃደራዊ ጸቕጢ ከይተገብረሉ ናጽነቱ ምርግጋጽ'ዩ" ይብል።

"ናጻ ኦሮምያን ንምምስራትን ባዕሉ ንባዕሉ ዕድሉ ንኽውስን ምርግጋጽን'ዩ" ክብል ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ህዝብታት ማዕረ ኴንና ክንነብር ኢና ንደሊ እንተኢሉ ድማ፡ ካብ ጭቆና ንምንጋፍ ክንቃለስ ኢና" ኢሉ።

እቲ ጕጅለ ነቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዘውጽኦ ማኒፌስቶ ብምውካስ፡ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከምዘልዓለ ተንታኒ ፖለቲካ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ ንቢቢሲ ይገልጽ።

ስለዚ ነዚ ፖለቲካዊ ሕቶ ቀዳምነት ሂቡ፡ ናብቲ ልዝብ ዝቐርቡ፡ "ቁጠባውን ባህላውን ሕቶታት እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

“ብሄርተኛታት ኦሮሞ ንብዙሕ ዘመናት፡ ‘መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኦሮሞ ክማላእ ኣለዎ’ ክብሉ ጸኒሖም እዮም። እዚ እዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብቲ ድርድር ከምጽኦ ዝኽእል" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ ‘መሰል ርእሰ ውሳነ’ ምስ ጉዳይ ምንጻል ዝተኣሳሰረ ድዩ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ማእከል ዲሞግራፊ፡ ጂኦግራፊ፡ ታሪኽ፡ ቍጠባን ኦሮሞ ኵሉ ኣብ ኢትዮጵያን እዩ። ስለዚ እዚ ዓቢ ህዝቢ ክንጸል እዩ ምባል'ኳ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ፡ እዚ ሕቶ ካብ ፖለቲካዊ ቋንቋ ክተርፍ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ሕቶ ህዝቢ ተመሊሱ እዩ ዝብል ኣሎ፤ እዚ ድማ "ብፖለቲከኛታት ዘይኮነስ ብድምጺ ህዝቢ ኦሮሞ" ክውሰን ከምዘለዉ ጠቒሱ።

“መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ብሕገ-መንግስቲ ዝተዋህበ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዕሊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ" ኢሉ።

መንግስቲኸ እንታይ ክብል ይኽእል?

ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ መንግስቲ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ኣብ ምፍጻም ዘተኮረ ጉዳያት ሒዙ ክቐርብ ከም ዝኽእል ይግምት።

"መንግስቲ 'ኣነ ፈጻሚ ጉዳያት እየ ዝደለኽዎ ኵሉ ክገብር እየ' ምባል ዘይኮነስ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ 'ዕማም ተዋሂቡኒ ኣሎ፤ ክፍጽሞ ድማ ኣለኒ’ ኢሉ -ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እንታይ ከነዐሪ ንኽእል ዝብል ከልዕል ይኸውን" ኢሉ፡ ንሓላፍነታት መንግስቲ ይእምት።

ንኽልቲኦም ወገናት ቀንዲ ኣገዳሲ ዝኸውን ጉዳይ፡ እቲ ሃገር ዝመስረተትሉን ክሳብ ሕጂ ድማ ዝስርሓሉን ነታ ሃገር'ውን ኣብ ሓደ ጠሚርዋ ዘሎን ቅዋም ብዅሉ ሸነካቱ ክኽበር ከምዘለዎ ጠቒሱ።

ነዚ ድማ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ጠቒሱ።

"መሰረት ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅዋም እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን ክኸውን ዝኽእል እዚ እዩ። ብድሕሪኡ ብፖለቲካዊ ዝርርብ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብጻሕ ኣድላይነት እንተሃልዩ፡ ኵሎም ብሄራት ብወከልቶም ኣቢሎም ዝራኸብሉ ካልእ መድረኽ ክካየድ ይኽእል።"

ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት፡ መጀመርታ ተዅሲ ደው ከብሉ፡ ድሕሪኡ ምቍራጽ ተጻብኦ (Session of Hostilities)፡ ድሕሪኡ ድማ ፖለቲካውን ህዝባውን ሕቶታት ምምላስ ክኸውን ከምዝኽእል ገሚቱ።

እንታይ ዓይነት ብድሆታት ክህልዉ ይኽእሉ?

ከም ኣገላልጻ እቲ ፕሮፌሰር፡ መንግስቲ ይዅን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ግጭት እዮም ዘለዉ፤ ብሰንኪ'ዚ ድማ ደም ይፈስስ ኣሎ። ስለዚ ክልቲኦም ወገናት ነዚ ደው ከብሉ ስለዝደለዩ እዮም ናብ ዝርርብ ኣትዮም።

"ክልቲኦም ወገናት ሰናይ ድሌት እንተሃልይዎም፡ ብምሉእ ልቦምን ብሰናይ ድሌትን ተራኺቦም፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር እንተኸይዶም ብዙሕ ጸገም ዝገጥሞም ኣይመስለንን።"

ኣብዚ መሰረታዊ ኣድላይነት፡ ልባዊ ምርድዳእ እንተሃልዩ፡ ንኸይዕወት ዝኽልክል ነገር ከምዘየለ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ "እቲ ቅዋም ናይ ክልቲኦም ወገናት ሓላፍነትን ግዴታታትን ዘቐምጥ" ምዃኑ ይሕብር።

ይዅን እምበር ብድሆ ምህላዉ ስክፍታኡ የቐምጥ። “ነቲ ዘሎ ቅዋምን ስርዓትን ዝቃወሙ ውድባት ኣለው። ስለዚ እቲ ብድሆ ኣብ ዙርያ መኣዲ ዘተ ዘይኮነስ ካብኡ ወጻኢ ብፕሮፖጋንዳን ዝተፈላለዩ ካልኦት መሰናኽላትን ክፍጠሩ ከምዝኽእሉ ገሚቱ።

ካብ ኣሸማገልቲ እንታይ ትጽቢት ይግበር?

ኬንያን ኖርወይን፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ኣሸማገልቲ ኰይነን ዓቢ ተራ ይጻወታ ከምዘለዋ ይዝረብ።

ብዘይካ’ዚ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ኬንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ምቅርራብን ዘተ ኣብ ምጅማርን ደገፍ ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ነቲ ድርድር ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ይሕብሩ።

ጠለባት ክልቲኦም ወገናት ንምጽባብ ምርድዳእ ብምፍጣር፡ ሰላም ብዘምጽእ መንገዲ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ እቲ ዝተጀመረ ልዝብ ውጽኢታዊ ንኽኸውን፡ እቶም ኣተባባዕትን ሸምገልትን ብመንጽር ሎጂስቲክስን ገንዘብን ዘድሊ ኵሉ ክገብሩ ይግደዱ ይብል።

“ብኽልቲኡ ወገን ወጻኢታት ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወጻኢታት ባዕሉ ክሽፍኖ ይኽእል እዩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኖ ኣይክእልን ይኸውን። ስለዚ መንግስታትን ትካላትን ክድግፉ ኣለወን።"

ወሲኹ እቲ ፕሮፌሰር ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ብዙሕ ፕሮፖጋንዳ ይግበር ከምዘሎን፡ ህዝቢ ኣብዚ ዓቢ ግደ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

"ብፍላይ እዚ ዘረባ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተኣሳሰረ ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ተደራደርቲ ወጺኦም ከምዚ ጌርና፣ እዚ ተላዚብና ኢሎም ክሳብ ባዕላቶም ዝገልጹ ብትዕግስቲ ክጽበ ይግባእ፡" ኢሉ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ መን እዩ?
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኣብ 1976 [ግእዝ] ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ንኽቃለስ እዩ ተመስሪቱ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ግንባር ኰይኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ።

ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብቐንዱ ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ወተሃደራዊ ክንፊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለስ ናብ ዓዱ ተመሊሱ።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምግዳፍ፡ ካብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ምፍልላዩ ብዕሊ ኣፍሊጡ።

እቲ መራሒ እቲ ሰራዊት ምዃኑ ዝእመነሉ ኩምሳ ድሪባ ወይ ጃል መሮ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክጽውዕ እንከሎ፡ መንግስቲ ግን 'ሸኔ' ኢሉ ብምጽዋዕ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ይምድቦ።

ሸኔ ካብ 'ሸን' ወይ ሓሙሽተ ካብ ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ 'ሸነ' ማለት ድማ ሓሙሽተ ማለት እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከምዝድምስሶ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ፤ ብሰንኪ እቲ ግጭታት ድማ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንጹሃት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም።

እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰበስልጣን መንግስትን ሓይልታት ጸጥታን ቅትለትን ምዝማት ባንክን ፈጺሙ ተባሂሉ'ውን ይኽሰስ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከባ ከተማታት ወለጋ፡ በጊን ጊዳሚን ተቘጻጺሩ። ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓቢሩ ክሰርሕ እውን ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ ሰነ 2014 [ግ] ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ቶሌ ቀበሌ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ተባሂሎም ተኸሲሶም።

ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ኩምሳ ድሪባ (ጃል መሮ) "ሕጂ፡ ናብ በረኻታትን ዓድታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብተን ዝተሓለዋ ከተማታት'ውን ንኣቱ ኣለና" ኢሉ ነይሩ።

መሮ ኣብቲ እዋን፡ ኣገዳስነት መጥቃዕቲ ከተማታት "መንግስቲ ‘ኣጥፊእናየን’ ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታን ካብ ፖሊስ ብዝወሰድዎ ኣረጊት ኣጽዋር ይቃለሱ ከምዘለዉ ዝገልጽ ፕሮፖጋንዳን ንምምካት" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።