ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዝካየድ ዘተ ዝተፈላለያ ሃገራት ክሳተፋ እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዘካይድዎ ዘተ ዝተፈላለያ ኣፍሪቃን ምዕራባውያንን ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ዘተ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ታንዛንያ ክጅምር ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ’ውን ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ምቅርራብን ነቲ ዘተ ኣብ ምስላጥን ከም ዝሳተፋ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ክልተ ምንጭታት ቢቢሲ፡ መንግስቲ ምስ’ቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝገብሮ ዝርርብ፡ ካብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ኬንያ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመጹ ዲፕሎማሰኛታት ከም ዘጠቓልል ገሊጾም።
እቶም ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት፡ ኣየኖት ሃገራት እንታይ ተራ ከም ዝህልወንን ቀንዲ ሓላፍነት ልዝብ ኣየናይ ወገን ከም ዝወስድ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተረጋገጸ ሓቢሮም።
ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሜሮ ድሪባ: ምስ ፌደራል መንግስቲ ሳልሳይ ወገን ኣብ ዝሳተፉሉ ድርድር ከም ዝካየድ ኣረጋጊጹ፤ ስም እቶም ተደራደርቲ ካብ ምጥቃስ ግን ተቖጢቡ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ልኡኻት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ታንዛንያ ይገሹ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
"ኣብ ቀረባ እዋን" ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን መንግስትን ኣብ ኬንያ ክዛተዩ መደብ ሒዞም ነይሮም።
“ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝመጸ ዕድመ ኣብ ኬንያ ንምርኻብ ቆጾሮ ነይሩ። መንግስቲ ግን ኣይተረኽበን" ኢሉ እቲ መራሒ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሰንበት 15 ሚያዝያ 2024 መንግስቲ ንምዝታይ ቆጾሮ ከም ዝሓዘ ገሊጹ ነይሩ።
መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑ ዝተገልጽ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መደብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተፈጸሙ ግጭታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ተመዛቢሎም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







