ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብመንጎኝነት ኬንያን ኖርወይን ይካየድ ኣሎ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኬንያን ኖርወይን ቀንዲ ተራ መንጎኛ ይጻወታ ከም ዘለዋ ተገሊጹ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ታንዛንያ ዝዀነት ደሴት ዛንዚባር ንሳልሳይ መዓልቲ ዝቐጸለ ድርድር የካይዱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ቢቢሲ ካብ ነቲ ድርድር ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ኬንያን ኖርወይን ዝመጹ ኣሸማገልቲ ኣብቲ ድርድር ይሳተፉ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ኬንያ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ክልቲኦም ወገናት ተቐራሪቦም ዘተ ንኽጅምሩ ደገፍ ይህቡ ከም ዝነበሩ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ብተወሳኺ፡ ዘተ ኣጀንዳታት ንምሕንጻጽ ይዛተዩ ከም ዘለዉ’ውን ገሊጾም።
እቲ ንክልቲኦም ተደራደርቲ ዝውክሉ ብነፍስወከፍ ሽዱሽተ ልኡኻትን መንጎኛታትን ዝሓቖፈ ልዝብ ብሰሉስ 25 ሚያዝያ 2023 እዩ ተጀሚሩ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙ ከም ዝዛዘም ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ቦታ እትርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ግን ክናዋሕ ከምዝኽእል ካብ ምንጭታት ሰሚዓ ኣላ።
ብመሰረት እቶም ምንጭታት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝለዓሉ ሕቶታት ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ብቐሊሉ ክፍትሑ ዘይኽእሉን ስለዝዀኑ ተወሳኺ ግዜ ከድሊ ይኽእል’ዩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሜሮ ድሪባ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምጅማር እቲ ድርድር ተስፋ ዝህብ'ኳ እንተዀነ፡ ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ ኢሉ ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ዘተ ክካየድ እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፤ ምምሕዳራት ታንዛንያን ዛንዚባርን'ውን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።
ሰበስልጣን ዛንዚባር፡ ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ እንተዀነ ካብ ምእንጋድ ዝዘለለ ተራ ከም ዘይብሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ከም ዝቐረቡ ቢቢሲ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ክልቲኦም ልኡኻት፡ ኣባላት እቲ ብስም መንግስቲ ፌደራል ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝተዛተየ ልኡኽ ምንባሮም ይዝከር።
ብወገን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ጆርጅያ ስቴት ዩኒቨርስቲ መምህርን ምሁር ታሪኽን ዝዀነ ፕሮፌሰር መሓመድ ሓሰን፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝዀነ ጣሃ ኣብዲን ከምኡ’ውን ዋና ኣማኻሪ ሓላፊ ሰራዊት ጂሬኛ ጉደታ ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ እቲ ብዙሕ ሞትን ምምዝባልን ዘስዓበ ግጭት ክልቲኦም ወገናት ብሰላም ክፍታሕ ዝተፈላለዩ ጻዕሪታት ክግበር ጸኒሑ እዩ።
መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑ ዝተገልጸ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መደብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተፈጸሙ ግጭታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ተመዛቢሎም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







