ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ 'ጻውዒት ዘተ ሰላም ኣይቀረበለይን' ኢሉ

ምስ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ካብ መንግስቲ ሕቶ ዝርርብ ሰላም ከምዘይበጽሖ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ 19 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ምስቲ ዕጡቕ ንምዝርራብ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እቲ ጕጅለ ነዚ ዝበለ።
መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ ንነብሱ ‘ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ’ ብዝብል ዝፅውዕ ጕጅለ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ዘስምዖ መደረ ነቲ ጻዕሪ ሰላም ብዝምልከት ዘሎ ህሉው ኵነታት ብትኽክል ዝገልጾ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ’ሎ።
ምስ መራሕቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንምርኻብ ጻዕሪ ተገይሩ ዝተበሃለ ልባዊ ጻዕሪ ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ "ብኣንጻሩ፡ መንግስቲ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብኮሚቴ ብምውዳብ ኣባላት እቲ ጕጅለ ነቲ ቃልሲ ገዲፎም ክምለሱ ንምእማን ዝተገበረ ጻዕሪ ፈሺሉ'ዩ" ኢሉ።
ከምዚ ዝበሉ ፈተነታት ኣብ መጻኢ ንዝካየድ ዝርርብ ሰላም ክተዓናቕፉ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ሕጂ’ውን ብሳልሳይ መንጐኛ ኣሸማጋሊ ንዝርርብ ሰላም ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቱ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንሰላማዊ ዝርርብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክዕወት ዘይከኣለ እቲ ጕጅለ ማእከላይ እዚ ስለዘይብሉ ከምዝዀነ እዩ ተዛሪቡ።
“ሓደ ዝተዋደደ ሓይሊ ብዘይምህላዉ” ካብ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምቕራቡ እቲ መስርሕ ከምዝተደናጐየ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን፡ መንግስቲ "እቲ ጕጅለ ማእከላይ እዚ የብሉን ዝብል ሓድሽ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምዝርጋሕ ክቝጠብ ኣለዎ። መሪሕነት ናይቲ ጕጅለ መን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ" ኢሉ።
ጻዕሪ ዘተ ሰላም
መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ኦሮምያን ምስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ሰላም ንምፍጣር ድሌት ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ “ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ሰላም እንተመጺኡ ማዕጾ ዘተ ሰላም ክፉት እዩ” ኢሉ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ነቲ ጻውዒት ብእወታ ከምዝርእዮ ብምግላጽ፡ ነቲ ድርድር ንምዕዋት ዘድልዩ ጉዳያት፡ ድልየታቱን ቅድመ ኩነት ናይቲ ዘተን ከምዘፍለጠ ይዝከር።
ናጻ ሳልሳይ ወገን ብሸምጋልነት ክሳተፍ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብተወሳኺ መንግስቲ ፈደራል'ውን ተሳታፊ ክኸውን፤ ብፖለቲካዊ መርገጺኦም ዝተኣስሩ ሰባት ክፍትሑ ዝብሉ ካብቶም ዘቐመጦም ቅድመ ኵነት ይጥቀሱ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ሽማግለ
ክልቲኦም ወገናት ድሌት ዝርርብ ሰላም ከምዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ መንግስትን እቲ ዕጡቕ ጕጅለን፡ ግጭት ብምቍራፅ ሰላም ዘምፅእ ጭቡጥ ስጕምቲ ክውሰድ ኣይረኣየን።
በዚ ኵነታት ዝተሻቐሉ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኽልቲኦም ኣካላት ክተዓርቕ ዝሓትት ደብዳበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪቦም ነይሮም።
ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተመረጹ 12 ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ወኪሎም፡ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ህይወት ሰባት እናቐተለን ንብረት እናዕነወን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ዝገበሮ፡ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ክሕግዝ ሓቲቶም ኣለዉ።
ነቲ ሕቶ ዘቕረቡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዘተሓባብር ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ብዙኣየሁ ደገፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ጸገም ብዘተ ንምፍታሕ ድሌት ከምዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፡ ጭቡጥ ስጕምቲ ብዘይምውሳዶም ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ሸምጋሊ ክኸውን ብደብዳበ ከምዝተሓተቱ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, @ODAATARBIIWBO
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ክኣትዉ ብዝቐረበ ጻውዒት መሰረት፡ ብዙሓት ፖለቲካውያን ሓይልታት ናብታ ሃገር ምእታዎም ይዝከር።
ሓደ ካብኣቶም ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኰይኑ፡ ካብዚ ግንባር ዝተፈንጨለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግን ዕጥቃዊ ቃልሲ ቀጺሉ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንጡፍ ነይሩ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት፡ ሰበስልጣን መንግስትን ብምቕታል፤ ሰባት ብምፍንቓልን ብዝምታን ይኽሰስ።
መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ "ሽበራዊ ጕጅለ" ተባሂሉ ከምዝተመዝገበ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







