ኣንጻር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝወስድ መንግስቲ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, GOVERNMENT COMMUNICATION SERVICE/FB
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት 'ኩሉ መማረጺ ዘካትት ስጉምቲ' ይወስድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዘስዕቦ ሓደጋ ንምምካት ሰላማውን ፖለቲካውን ኣማራጺታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ኦሮምያን ጎረባብቲ ከባቢታትን ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝፍጠሮ ሓደጋ ሰላም ንምግታእ "ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘሳትፍ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ" የካይድ ከም ዘሎ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ሰላማዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ንኽምለስ፡ “ሓይልታት ፀጥታ ፌደራልን ክልል ኦሮምያን ብሓባር ተወዲቦም... ኩሉ ዓይነት ኣማራፂታት ዘጠቓለለ ስጉምቲ" ኣለዉ።
ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገስ ቱሉ (ዶክተር) ብረቡዕ 10 ጥሪ 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ንጹሃት ሰባት ዘጋጥም ሓደጋ ንምግታእ ዝተዋደደ ስጉምትታት ይውሰድ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ፖለቲካውን ሰላማውን ጻዕርታት ከም ዝተገብረ ብምዝኽኻር፡ እዚ ጻዕርታት "መንግስቲ ዝወሰዶ ቀዳማይ ስጉምቲ" ምዃኑ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ ክሰምር ዘይከኣለሉ ምኽንያት ብቐንዱ በሰንኪ "መሰረታዊ ጸገም ሸኔ" ክብል'ውን ከሲሱ።
"ሸኔ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሉ እኩይ ተግባራቱ ደው ኣቢሉ ህልቂት መንእሰያት ኦሮሞ ንከብቅዕ ኩሉ ህዝቢ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ"።
መንግስቲ ምስ መራሕትን ተወከልቲ ሕብረተሰብ ከምኡ'ውን ምስ ህዝቢ ኦሮሚያ ብዛዕባ "ኣማራፂ ሰላም" ዘተ የካይድ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተፀንበሩ መናእሰይ ብሰላማዊ መንገዲ ንመንግስቲ ኢዶም ክህቡን ናይ ተሃድሶ ስልጠና ወሲዶም ናብቲ ሕብረተሰብ ንክፅንበሩን፡ "መንግስቲ ቀዳምነት ቆላሕታ ብምሃብ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።
ብዙሓት መናእሰይ ንመንግስቲ ኢዶም ይህቡ ከም ዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብተን ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ዞባታት ወለጋ ብምኻድ ምስ ህዝቢ ዘተ ኣካይዱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, BKO
ሽመልስ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ነቀምት፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ጊምቢን ኣብ ቄለም ወለጋ ደምቢዶሎን ዑደት ብምግባር ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲን ወከልቲ ሕብረተሰብን ተላዚቡ።
እቲ ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብዘን ዞባታት ብሰፊሑ ከም ዝንቀሳቐስ ይፍለጥ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ወለጋ ኣቶ በዳሶ ዳባ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልልእ ብዛዕባ ሕጽረት ሰላም፡ ህንጸት መሰረተ ልምዓትን ሸቕሊ ኣልቦነትን ብዝምልከት ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከም ዝተዛተየ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ብቐዳምነት ሰላም ክረጋገፅ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ'ዩ ይብል።
ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ፀገም ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ማይን መንገድን ከም ዘሎን መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ነዚ ጉዳይ ትኹረት ክህብ ከም ዝግባእን ተማሕጺኖም።
መንግስቲ ነዞም ሕቶታት እኹል መልሲ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ’ውን ኣረዲኡ።
"ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዞባና ዘተኣማምን ሰላም ምምፃእ ከም ዘድሊ ተዘራሪብና ኢና። ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብልን መንግስቲ ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከም ዘለዎን ተዛቲና ኣለና" ኢሉ።
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተፈጠረ ግጭት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ንብረት ከም ዝዓነወን ነበርቲ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







