ምንቅስቓስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ይቕጽል ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ወጥሪ ተጋዲዱ ይርከብ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይኣተዎም ከተማታት እናተጸግዐ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ። ሓደሽቲ ተዓለምቲ ኣሰልጢኑ ኣብ ከተማታት የመርቘም ኣሎ።
ምስቲ ጕጅለ ምዝርራብ ዝብል ዕድል ኣጽቢቡ ዕሽሽ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቅልውላው ወተሃደራትን ድሮናትን ኣዋፊሩ ክፈትሖ’ዩ ዝፍትን ዘሎ።
እቲ ኵነታት ዝያዳ ዝተጋደደሉ ምኽንያት ድማ ሚሊሻታት ኣምሓራ ናብ ኦሮምያ ኣትዮም ምስ ዕጡቓት ይዋግኡ ኣለዉ ምስተበሃለ’ዩ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንገዛእ ርእሱ ከም ብሄርተኛ ሓይሊ ገይሩ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ርክብ ብዘለዎም ማዕከናት ዜና ኣፍልጦ ተዋሂብዎ’ዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ግን ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተገሊሉ’ዩ ጸኒሑ።
መንግስቲ ዘቘሞ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ “ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ተቐቲሎም” ኢሉ።
ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ ኣብ ሕዳር ጥራይ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ፈለማ ታሕሳስ ድማ ኣስታት 220 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ጐንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይፈጸሙ’ዮም ዝገልጹ። ተዋጋእቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ነቀምቴ ኣትዮም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኰይኑ እቲ ዓዲ ናብ ኣዲስ ኣበባን ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነቀምቴ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ርእይቶ ክህብ ኣይርአን።
ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ነቀምቴ ንናይ ፖለቲካ እሱራት ሓራ ከምዘውጽኡ ተዛሪቦም ነይሮም። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓትን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝተኻየደ ተዅሲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ጠፊኡ’ዩ።
በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ደቁ ከምዝስኣነ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ገዛኡ ከምዝተኮሱ ዝገለጸ እቲ ሽሙ ዘይንጠቕሶ ነባሪ፡ “ናብ ቤተ ክርስትያን ክንከይድ ኢልና ኢና ካብ ድቃስና ተሲእና። ኣብ ደገ ተዅሲ ይስማዕ ስለዝነበረ ግን ኣይከድናን። ክልቲኦም ደቀይ ኣብ ገዛኦም እንከለዉ ተቐቲሎም” ኢሉ።

ዋላ ሓንቲ ክፋል ኣካል'ውን ኣይተረኸበትን
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ከተማ ጎሮ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ምስረኸቡ፡ መናእሰይ እቲ ከባቢ ኣብ ኵናት ንዝቘሰሉ ዕጡቓት ክሽከሙ የገድድ ከምዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም መናእሰይ ንዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ የገዓዕዙ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ። ሓደ ልቡ ብሓዘን ተሰይሩ ንቢቢሲ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ነባሪ እቲ ከባቢ ሰለስተ ተመሃሮ ኣሕዋቱ ከምዝተቐተልዎ ተዛሪቡ።
“ኣሕዋተይ ኣይቀበርክዎምን። ዋላ ሓንቲ ክፋል ኣካላቶም ኣይተረኸበን” ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተጠቕመሉ ስትራተጂ፡ ኣብ ኦሮምያ’ውን ብተመሳሳሊ ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንምግታእ ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ስትራጂ ይጥቀም ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ’ዩ።
ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩብ ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዊልያም ዴቪድሰን፡ “ኣብ ትግራይ ብዝተፈጸሙ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት’ኳ ዝተጐድኡ እንተዀኑ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ወተሃደራዊ መካይንን መሳርሒታትን’ዩ ነይሩ። ኣብ ኦሮምያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ነበርቲ ፈትዮም ከይኮነስ ተገዲዶም ከምዝዀኑ ሓደ ነባሪ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ ሰለማውያን ሰባትን ወተሃደራት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዕግታ
ማእከሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበረ ተንታኒ ፖለቲካ መብራቱ ከለቻ ብድጋፍ ህዝቢ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ በቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ናዕቢ ክቕልበስ ከምዝኽእል ይገልጽ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ድማ ነዚ ንናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ “ኦሮምያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምሕደራ ይሃልዋ” ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ይፍለጥ። እዚ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ብንጹር ዝፍለጥ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ጕጅለ ዝነቕፉ ሰባት ግን “ኦሮምያ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል’ዩ ዝደሊ” ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ሸቕለት ኣልቦነት ብምውሳኹ፡ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ስለዝተዓፈኑን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቋንቋ ኦሮምኛ ማዕረ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብዘይምግባሩን ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ምድጋፍ ዝንባለ ይርአ’ሎ።
ዊልያም ዴቪድሰን ብወገኑ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዓቕሚ ተጋኒኑ ክርአ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ከምዘለዎ ብንጹር ዘይፍለጥ ኰይኑ ባንክታት ብምዝራፍ፡ ነጋዶን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓጊቱ ገንዘብ ብምውሳድ ይኽሰስ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ 17 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ዓጊቱ፡ ካብ 300 ክሳዕ 500 ሽሕ ብር ኣኽፊሉ ከምዝለቐቖም ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ ዝቕመጡ ሓረስቶት ተወለድቲ ኣምሓራ ብምቕታል ብተደጋጋሚ ይኽሰስ። ፋኖ ዝተበሃለ ሚሊሽያ ኣምሓራ ድማ ኣብ ኦሮምያ ንዝቕመጡ ሓረስቶት ኣምሓራ ክከላኸል ይጽዕር ከምዘሎ ይዝረብ።
ፋኖ ኣብ ኦሮምያ ሓሙሽተ ወረዳታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝተገለጸ ኰይኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ 244 ሰለማውያን ኦሮሞ ከምዝተቐተሉን 25 ሽሕ ከብቲ ከምዝተዘመታን ተዛሪቡ።
ፋኖ ኣብቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገበረ ኵናት ተሳቲፎም ነቲ ልሙዕ መሬት ዝዀነ ምዕራባዊ ትግራይ ንምቍጽጻር ከምዝተጠቐምሉን ብተመሳሳሊ ኣብ ኦሮምያ ከምኡ ዓይነት ነገር ክኽሰት ከምዝኽእል ዝሰግኡ ሰባት ኣለዉ።
እንተኸነ ፋኖ ናብ ኦሮምያ ምእታዉ ዘይኣምኑ ተወለድቲ ኣምሓራ ድሕሪ እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ምእንቲ ብመንግስቲ ክልል ኦሮምያ ናይ ሚሊሽያ ታዕሊም ከምዝተወሃቦም ይዛረቡ።
ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ፈደራል ዝዀኑ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ መንግስቲ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክላዘብ ዝሓተቱ ኰይኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ጕጅለ “ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ ራዕዳዊ ጕጅለ’ዩ” ኢልዎ።
ግዱሳት ተወለድቲ ኦሮሞ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ “ዝተረስዐ ኵናት” ኢሎም ዝገልጽዎ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው ትዅረት ክገብረሉ ተማሕጺኖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







