'ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን' ቀንዲ ተሳተፍቲ ግጭት ወለጋ ምዃኖም ተገሊጹ

ኣብ ዞባታት ወለጋ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ይፍጸም

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባታት ወለጋ ኣብ ዝተኸሰቱ ጎንጽታት ቀንዲ ተሳተፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብፍላይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ብሄር መሰረት ብዝገበሩ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ።

ኣብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓላፊ ዞባዊ ምርምርን ክትትልን ኦማድ ዓብዱልፈታሕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብቐንዱ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን ዕጡቓት ኣምሓራን ተሳተፍቲ’ዮም” ኢሉ።

ኣቶ ኦማድ ወሲኹ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ግጭታት ዘስዓቦ መጠን ዕንወትን ጉድኣትን ንምፍላጥ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

“ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ዕላማ ተገይሮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ዝኣከብናዮም መረዳእታን መርትዖን ምስክር’ዮም” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መጠኖም ክብ ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።

መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ከውሕስ ኣለዎ

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ኣብ ዘጽቀጥሉሉ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኦሮምያ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን ብሰንኪ ብሄር መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕታት ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘበሎ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ፖለቲከኛታት፡ ውድባት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራት ሻቕሎቶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ቤት ምኽሪ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ዞባታት ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘጋጥም ዘሎ ሞት፡ ምምዝባልን ስቓይን ኣመና የሻቕለኒ’ዩ ዝበለ ኰይኑ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ንኽሕሎ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ጸዊዑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣስዒቡ ብሰንኪ እቲ ጐንጺ ኣብ ጸገም ንዘለዉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብህጹጽ ረድኤት ክቐርበሎምን እቲ ጸገም ብዘላቕነት ፍታሕ ክናደየሉ ሓቲቱ።

ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ብወገኑ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝተፈጠረ ቅልውላው መፍትሒ’ዮም ዝበሎም ሰለስተ ምኽረ-ሓሳባት ኣብ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሚድያ ዝርጊሑ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮም [ኦፌኮ] ዝዀነ ጃዋር መሓመድ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዅሲ ደው ኣቢሉ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ፡ ኢሉ።

ካብኡ ብተወሳኺ ሚሊሽያታት ፋኖ ካብ ኦሮምያ ኣውጺእካ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝበለ ጃዋር መሓመድ፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ከይዲ ሰላም ብሕታዊ ኣማራጺ ስለዝዀነ እዚ ንምዕዋት ትልሚ ሓንጺጽካ ምፍጻም ከድሊ’ዩ ኢሉ።

ጃዋር መሓመድ፡ እቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ እንተዀይኑ መንግስቲ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክላዘብ ኣለዎ ይበል እምበር፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ግን ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ምድርዳር ድልየት ከምዘይብሉ ምግላጹ ይዝከር።

ውድባት ፖለቲካ ኣብን፡ ኢዜማ፡ ኦነግን ካልኦትን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዘውጽእዎም መግለጺታት፡ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ቅትለት ከምዘሻቐሎምን መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋጻእን ሓቲቶም።

ቅትለትን ምምዝባል

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳታት ጊዳ ኣያናን ኪራሙን ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚርካ መጥቃዕቲታት ይፍጸሙ ከምዘለዉን ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ከምዝተቐተሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ከምዝተመዛበሉን ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያን ተሓተትቲ ይገብርዎም።

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘበልዎ ነገር የለን።

ብሰንኪ እቲ ዝቐነየ ሓድሕዳዊ ጎንጽታት ልዕሊ 200 ሽሕ ነበርቲ መንበሪ ኣባይቶም ገዲፎም ፈቘዶ ጣሻታትን በረኻታትን ኣዕቝቦም ከምዝርከቡ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።