ኣብ መጥቃዕቲ ምዕራብ ወለጋ 338 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ገሊጹ

በቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 338 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብ20 ሰነ 2014 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቶለ ቀበሌ፡ ብሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ዝተገልጸ ‘ዓሌት ተኮር’ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ቑጽሪ ምውታት ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ክወጽኡ እንከለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝተመዛበሉን ተገሊጹ እዩ።
ፕረስ ሴክረታሪ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ቢልለኔ ስዩም፡ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፥ በቲ መጥቃዕቲ 338 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ይምርምሮ ከምዘሎን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ንምጽራይ ንዝቐረቦ ሕቶ መንግስቲ ከምዝነጸጎን ተዛሪባ።
"ኢትዮጵያ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘይብላ ዘምስል" ስለዝኾነ ከምዝተነጽገ'ውን ጠቒሳ።
ብዘይካ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን እቲ ቅትለት ናጻ መርመራ ክካየደሉ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቐትሉ፡ ብኦነግ ሸኔ ከም ዝተፈጸመ እዩ ብመንግስቲ ተገሊጹ፡፡
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብዝወደቦ ፍሉይ ሚልሻ ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ እዋን ሰራዊቱ ኣብቲ ከባቢ ከም ዘይነበረን ገሊጹ፡፡
እቲ ቅትለት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ እውን እቲ ጉጅለ ሓቲቱ'ሎ፡፡
ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣመሪካ፡ 503 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሃለቑ ዝገለጸ ዀይኑ፡ 399 ሰባት መንነቶም ከምዝተነጸረ ድማ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ህልቂት ዝደሓና መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ይገልጻ።
እቲ ጉጅለ ግን ነቲ ክሲ ነጺጉ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዘይሻራዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።
ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባቸለት: በቶም ዕጡቓት ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝተጨውዩ ብምሕባር፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ፣ ዘይሻራዊን ዕሙቕ ዝበለን ምርመራ ከካይዱ ፀዊዖም።
እቲ ኮሚሽን ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ኣብቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣምሓራ ዝነብርሉ ቶለ ቀበሌ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ሓያሎ ኣባይቲ ብምንዳድ ብውሕዱ 2000 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ እውን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







