ጃል መሮ ዝሳተፈሉ ዘሎ ዝርርብ ታንዛንያ ኣብ ምንታይ ጀረጃ ይርከብ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዓመታት ዝጸንሐ ኩናት ብሰላማዊ መገዲ ንምውዳእ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዙር ዝርርብ ሓደ ሰሙን ገይሩ'ሎ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ብዋና ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኩምሳ ድሪባ [ጃል መሮ ብዝብል ዝፍለጥ] ከምኡ'ውን ብምክትሉ ገመቹ ኣቦዬን ተወኪሉ፡ ኣብቲ ኣብ ታንዛንያ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ይሳተፍ ከምዘሎ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝርርብ ሓደ ሰሙን’ኳ እንተቑፀረ፡ እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተሳተፍቲ ምዃኖም ዝተገልፀ ትማሊ ሰኑይ እዩ።
እዚ ድሒሩ ዝተገለፀሉ ምኽንያት፡ እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ካብ ግንባር ኦሮምያ ናብ ታንዛንያ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጉዕዞ ውሑስ ንምግባር ምዃኑ እቲ ሰራዊት ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝርርብ ወኪልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብ ታንዛንያ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እዞም ክልተ ኣባላት፡ ኲናት ትግራይ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ካብ ዝተዘራረቡ ልኡኻት መንግስቲ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዳረሰላም ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሃያት ሪጀንሲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም "ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ" ነቲ ዝርርብ ብቐረባ ዝከታተሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ድሕሪ ናይ መዓልታት ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ "ጭቡጭ ጉዳያት" ንምዝርራብ ከምዝተሰጋገሩ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ዕዉት ንምግባር ኣቐዲሙ ምድላዋት ከምዝተገብረ ዝሓበረ እቲ ምንጪ፡ ሕጂ እቲ ዝርርብ ዝኸደሉ ዘሎ ኣገባብ "ተስፋ ዝህብ እዩ” ኢሉ።
እቲ ዝርርብ ፍረ እንተፈርዩ ድማ፡ ስምምዕ ሰላም ክኽተም ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ባህጊ ህዝብና ግብራዊ ዝገብርን፡ መስዋእቲ ስውኣት ብጾትና ዘኽብርን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኩሉ ግዜ ቆራፃት ኢና" ኢሉ።
ኣመሪካ፣ ኢጋድ፣ ኖርወይን ኬንያን፡ ኣብቲ ዝርርብ ናይ ሽምግልና ተራ ይፃወታ ከምዘለዋ ቢቢሲ ቅርበት ካብ ዘለዎም ምንጭታት ክርዳእ ኽኢሉ።
ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ምፍርራም ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር’ውን ኣብ ታንዛንያ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ኬንያን ኖርወይን መንጐኛታት ከምዝነበራን፡ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ እውን ደገፍ ይገብሩ ከምዝነበሩን፡ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብሓሙሽተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ክልተ ዲፕሎማስያዊ ወከልትን ብድምር ሸውዓተ ልኡኻት ዝተወከለ እዩ።
ብወገን ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን ሰበስልጣንን ዝርከብዎም ሸውዓተ ልኡኻት ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።
ቢቢሲ፡ ብዘይካ’ቲ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል፡ ክልተ ወከልቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ’ውን ምፍላጥ ክኢሉ ኣሎ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ ታንዛንያ ሓውሲ-ምምሕዳር ኣብ ዘለዋ ግዝኣት ዛንዚባር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ብዘይ ስምምዕ ምብታኑ ዝዝከር እዩ።
ኣብ’ቲ ቀዳማይ ዙር ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ስኒት ዘይፈጠሩ ጉዳያት ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ዝብል ይርከቦም።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘጠቓለለ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ከምዝሓተተ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ምቛም ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብተደራደርቲ ፌደራል መንግስቲ ከምዝተነፅገ’ውን ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







