ተስፋን ስግኣትን ዝርርብ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን

ምንጪ ስእሊ, NEKEMTE CITY COMM.
ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ንምቍራጽ ዝርርብ ጀሚሮም ኣለው።
ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ኣብ ታንዛንያ ዛንዚባር ትማሊ ሰሉስ ከምዝጀመረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ዞባዊ ትካል ኢጋድ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኑር መሓመድ ሸኽ፡ ኣብቲ ዝርርብ "ፖለቲካዊ ስምምዕ ክብጻሕ" ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ንዓመታት ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ብዘጋጥም ግጭትን መጥቃዕትን ተሃስዮም፡ ሰላሞም ስኢኖም ኣብ ሓደጋ ዝነብሩ ነበርቲ ምዕራብ ኦሮምያ፡ እቲ ዜና ጽቡቕ ስምዒት ፈጢሩሎም ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ንዓመታት ዝጸንሐ ስግኣት ጸጥታ ኣብ ነበርቲ ከቢድ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ፈጢሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ስሞም ከይርቋሕ ሓቲቶም።
ሓደ ነባሪ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ኦሮሞን ዝግበር ዘሎ ድርድር “ዕዉት ክኸውን እጽሊ ኣለኹ" ኢሉ።
ሓደ ካብ ቦታ ስራሑ በቲ ዕጡቕ ጕጅለ ከይጭወየ ዝሰግእ መሃንድስ ድማ፡ ዋላ ክልቲኦም ወገናት እንተተሰማምዑ፡ "ንድሕነተይ ውሕስነት ዝህብ ከምዝኰነ ርግጸኛ ኣይኮንኩን” ኢሉ።
ካብ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝወጸን፡ መንግስቲ ‘ሸኔ’ እናበለ ዝጽዋዖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ወለጋ፡ ከባቢታት ምዕራብ ሽዋን ደቡብ ኦሮምያን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ሒዙ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ጐንጽታት ስዒቡ፡ ዜጋታት ሞትን ስደትን ክበጽሖምን ንብረት ክዓኑን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ድማ ሰላም ርሒቝዎም ጸኒሑ እዩ።
ነባሪ ከተማ ሻምቡ፡ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ዝዀነ ርእይቶኡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበሉ፡ "ሰባት ሞይቶምን ተመዛቢሎምን፡ ንብረት ተዘሚቱ። ዝሞተ ሰብ ምቕባር'ውን ከቢድ እዩ ነይሩ" ይብል እቲ ህዝቢ ከቢድ ስቅያት ከምዝበጽሖ ይዛረብ።
"መንግስትን ተቓወምትን ክዛተዩ ተሰማሚዖም ምስ ሰማዕና፡ ሓቂ ኣይመስለናን፤ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ተሓጒሱ። ድሕሪ እዚ ኵሉ መከራ ህዝቢ ከዕርፍ እጽሊ።”
ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ኣባይ ጮመን ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝዀነት ነባሪት፡ ብሰንኪ ስእነት ሰላም፡ 'ህውከት ዝመልኦ ህይወታ' ድሕሪ እቲ ዝርርብ ሰላም ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ክምለስ ተስፋ ኣለዋ።
እዛ ነባሪት፡ ኣብቲ ከባቢ ናብራ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግላጽ ወርሓዊ ደሞዛ ካብ ባንክ ንምውጻእ 100 ኪሎ ሜተር ክትጓዓዝ ከምዘለዋ ትገልጽ። ከምኡ ኰይኑ'ውን ምሉእ ደሞወዛ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘይትቕበለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።
“ንግሆ ንግሆ እውን እንተዀነ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ባንክ ነዊሕ ሪጋ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ‘ልዕሊ 1 ሽሕ ብር ከተውጽእ ኣይትኽእልን’ ይብሉ፡ ካብ ባንክ ኣውጺእ ድማ ኣብ መንገዲ እዩ ዝውዳእ" ትብል።
እቲ ጕጅለ፡ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ ሓያሎ ከባቢታት ባንክታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ከምዝተዘረፋን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ከምኡ'ውን ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ፡ ባንክታት ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግእስቲ ናብ ካልኦት ከተማታት ክግዕዙ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ከተማ ምዕራብ ሽዋ ሆለታ ዝነብር መሃንድስ፡ መንግስትን እቶም ዕጡቓትን፡ ኮፍ ኢሎም ክዛረቡ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሉ ይሓስብ፤ እዚ ግን ንጥፈታት እቶም ዕጡቓት ምሉእ ብምሉእ ደው ዘብል ኣይመስሎን።
እዚ መሃንድስ፡ ካብ ከተማ ሆለታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ፋብሪካ ሲሚንቶ ይሰርሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ተጨውዮም ንኽልቀቝ ገንዘብ ከም ዝሕተቱ ይዛረብ።
“ናብ ስራሕ ክኸይድ ከለኹ፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ከይጭወይ እፈርሕ። ክሳብ ሕጂ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ገንዘብ ከፊሎም እኳ እንተሃለዉ፡ ብፖሊስ ዝተፈትሐ ሰብ የለን። እዚ ነቶም ክሳብ 500 ሽሕ ብር ከም መበጆ ዝቕበሉ ዕጡቓት ንግዲ ኮይኑዎም ኣሎ" ይብል።
ብዘይካ እቶም ፖለቲካዊ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ብምጭዋይን መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ገንዘብ ተቐቢሎም ንብረት ዝሰርቁ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ፋብሪካታት ስሚንቶ ኣብ ዝርከበሉ ዞባ ምዕራብ ሻዋ፡ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታትን ነጋዶን ተጨውዮም ገንዘብ ክኸፍሉ ክሕተቱ ጸኒሖም እዮም።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ጅሆ ዝተታሕዙን ነበርትን፡ እቲ ገበናት ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተፈጺሙ እዮም ዝብሉ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መዕገትቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ከምዘይኰኑ ገሊጹ ነይሩ።
ልክዕ ከምቲ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዝተዛዘመ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሰላም ከምጽእ ከም ዝኽእል ተስፋ ይግበር።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዋና ኣዛዚ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሜሮ ድሪባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ "ብምትእምማን እንተተኻይዱ ንሰላም ወሳኒ'ዩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓላፊ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዕጥቁ ፈቲሑ ናብ ሰላም ክመጽእ ዘለዎ ድሌት መንግስቲ ገሊፆም ነይሮም።
መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተበይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







