ኣብ ግጭት ሱዳን ብውሕዱ 8 ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, ABDIRAHMAN SHANGAX

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ካልኦት ኣርባዕተ'ውን ከም ዝቖሰሉን ኣባል ክፍሊ ዲያስፖራ እቲ ኤምባሲ ኣቶ ናጂብ ዓብደላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ወይ ፍንጀራታት ከም ዝሞቱን ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን እቲ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።

ኣቶ ናጂብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብቶም ዝተቐትሉ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ብፍንጀራ ተሃሪማ ሞይታ። ብሰንበት ጸረ ነፈርቲ ሚሳይል ኣብ ሓደ ገዛ ብምውዳቑ ክልተ ኢትዮጵያውያን ብኸቢድ ቆሲሎም" ኢሉ።

ኣቶ ናጂብ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ዘስዓቦ ስግኣት ጸጥታ ካብ ሃገር ክወጹ ዝደልዩ ዜጋታትን ከምኡ’ውን ድሮ ካብታ ሃገር ዝወጹ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብሰንኪ ስክፍታ ጸጥታ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሱዳን ክወጹ ዝደልዩ ዜጋታት ንምውጻእ ምዝገባ ተጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ኤምባሲ እቶም ካብ ሱዳን ክወጹ ዓቕሚ ዘለዎም ብኸመይ ክወጹ ከም ዝኽእሉ ምኽሪ ይህብ ኣሎ፤ እቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ድማ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ብኣውቶቡስ ንምውሳድ ምዝገባ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

"ኣብ ጸገም ኣለና ዝብሉ እቶም ኣብ ካርቱም ዘለዉ ጥራይ እዮም። ኣብ ካልእ ከባቢታት ዘለዉ ዝኾነ ጸገም ኣየጋጠሞምን። ከም ቀደሞም ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እዮም ዘለዉ" ክብል ኣቶ ናጂብ ተዛሪቡ።

“ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ዘይክእሉን ኣረግቶትን ኣለዉ። ሰብኡት ዘይብለን ኣዴታት ምስ ደቀን ተዓጽየን ይርከባ። ሕሙማት እውን ኣለዉ። እዞም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንምዝግቦም ኣለና።"

እቲ ዲፕሎማት፡ እቶም ኣብቲ ኤምባሲ ዝምዝገቡ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ካርቱም ናብ መደኒን፡ ገዳርፍን ገልባትን ናብ ዝበሃላ ከተማታት ብኣውቶቡስ 550 ኪሎ ሜተር ክጓዓዙ ከም ዝግደዱ ገሊጹ።

ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ልዑል ምዃኑ ዘዘኻኽር ኣቶ ናጂብ፡ ቁጽሪ ካብ ሱዳን ክወጹ ዝደልዩ ሰባት ልዑል ስለዝኾነ፡ እቲ ዜጋታት ናይ ምውጻእ ዕማም ቀሊል ከም ዘይኸውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ናብ ገዳርፍ ከምዝተሰጋገሩን ንቡር ስርሖም ይፍጽሙ ከም ዘለዉን ሓቢሩ፤ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይቲ ግጭት ከም ዝተሃስየ እውን ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ናጂብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኤምባሲ ዝወረደ ጉድኣት ኮነ ኢልካ ዝተፈፀመ ዒላማ ከም ዘይኰነ’ውን ጠቒሱ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት እቲ ኤምባሲ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን ሓበሬታ ንምርካብ እንተደልዮም ናብ +249911646547 ክድውሉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ።

እታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊትን መራሒ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ወይ ሕሜቲን ዝምርሑ ሓይልታትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ'ያ ናብ ውግእ ኣትያ ዘላ።