ካርቱም፡ ዓቕለጽበታዊ ፈተነ ንምህዳም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ እቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክወጽኡ ሓያል ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።
እቶም ብዘይ መግብን ማይን ዝተረፉ ሰባት ነቲ ኵነታት ክጻወርዎ ከቢድ ከምዝዀነን፡ ኣብ ርእሲኡ ገሊኦም ሆስፒታላት ስራሕ ከምዘቋረጻን ወሃቢ ቃል ኣለዮና ሲኔንኮ ተዛሪቡ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝወጽኣ ቃፍላይ ኣብ መገዲ ዘረፋ ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ።
እቶም ካብ ካርቱም ዝወጹ ሰባት ካብ ጐደናታት ዘይተላዕሉ ሬሳታት ከምዘለው ተዛሪቦም።
ናይ ኢጣልያ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓላፊ ስተፋኖ ሬቦራ፡ "ሬሳታት ኣብ ፈቘደኡ ወዲቘም ርኢና - [ደጊም ኣብ ካርቱም] ዋላ ሓንቲ ውሕስነት የሎን። ነቲ ሬሳ ዋላ ሓደ ደፊሩ ዝእክቦ የለን። ናይ ብሓቂ ዓቢ ጥፍኣት እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ኵሉ ነገር ዓንዩ እዩ” ክብል ብኽቱር ጓሂ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲፕሎማት ክለይሰን ሞኒላ፡ ካብታ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ካርቱም ዝወጽእ ኵሉ መስመራት፡ "ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ" ክብል ገሊጹ ።
እቲ ዲፕሎማት፡ "እቲ ውግእ ስለዝቐጸለ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ሰባት ክኣትውን ክወጽኡን ወጺኦም ምእንቲ ኽፈቅድን ናይ ረድኤት ዕድል ክርከብን፡ ተዅሲ ደው ክብል እንደገና ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ተቘጻጻሪ ጕጅለ መርበብ ሓበሬታ ኔትብሎክስ፡ ሱዳን [ቅድሚ እቲ ግጭት እውን] ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ 2% ስለዝወርድ ጸገማት ርክብ ጸኒሑ’ዩ ክብል ብሰኑይ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ካርቱም ከኣ ካብ ሰንበት ምሸት ጀሚሩ ኢንተርነት ኣቋሪጹ ኣሎ።
ይዅን እምበር ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ብመጠኑ ኣገልገሎት ማይን ኤለክትሪክን ተመሊሱ ኣሎ። ይዅን እምበር ንዅሉ ዝሽፍን ኣይኰነን።
ሓደ ናይጀርያዊ ተመሃራይ፡ "እቲ መስመር ሻምብቆ ማይ ኣብ ግዳም ኣብ ጐደናታት ስለዘሎ፡ ሓደሓደ ግዜ ማይ ከነምጽእ ኢልና ምስ ከድና ተዅስን ነተጕ ሮኬታትን ስለዘጋጥም ማይና ሒዝና ቀልጢፍና ኢና ናብ ቦታን ንምለስ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓያሎ ሃገራት ንዜጋታተን ካብቲ ሓደገኛ ቦታ የውጽኣኦም ኣለዋ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድሮ ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጦም ኣለዉ።
ብዙሓት ሰባት ካብቲ ብኲናት ዝዓነወ ማእከላት ከተማ ካርቱም ወጺኦም፡ መቕርቦምን ፈተውቶምን ናብ ዘለውወን ካልኦት ከተማታትን ገጠራትን ይግዕዙ ኣለው።
ገሊኦም ከኣ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ወይ ናብ ሰሜን ናብ ግብጺ ወይ ከኣ ናብ ደቡብ ገጾም ይሃድሙ ኣለው።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ኤርትራ፡ ኬንያን ዩጋንዳን ሱዳንን ዝመጽኡ ኣስታት 10,000 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከምዝኣተው ገሊጾም።
ብዙሓት ሃገራት፡ ንዲፕሎማሰኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ካብ ካርቱም ንምውጻእ ጻዕርታት የካይዳ ኣለዋ።
ክሳብ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣስታት 1,100 ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ካርቱም ከም ዝወጽኡ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ውግእ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣስታት 1,700 ዜጋታት ኣውሮጳ ከምዝነበሩ ይኣምን።
ኣሜሪካ ብሰንበት፡ "ቅልጡፍን ጽሩይን" ብዝበለቶ ናይ ሄሊኮፕተራት ናይ ምድሓን ወፍሪ ካብ 100 ዘይውሕዱ ሰባት ብነፋሪት ከም ዘውጸአት ገሊጻ። ሕጂ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ወግዓዊ ትዊተሩ፡ መንግስቲ ነቶም ዜግነት ኣሜሪካ ዘለዎም ሲቪል ዜጋታት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ውሕስነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።
መንግስቲ እንግሊዝ ንዲፕሎማሰኛታትን ንስድራቤቶምን ካብታ ሃገር ኣውጺኡ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክሌበርሊ፡ ነቶም ብሪጣናውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝግበር ኣማራጺታት "ኣዝዩ ድሩት" ምዃኑ ሓቢሩ። ካናዳ ንዲፕሎማሲያዊ ሰራሕተኛታታ ካብታ ሃገር ኣውጺኣቶም ኣላ።
ቀንዲ መሓዛ ሱዳን ዝዀነት ቱርኪ፡ ብሰንበት ካብ ደቡባዊት ከተማ ዋድ መደኒ ተበጊሳ ሰባታ ከተውጽእ'ኳ እንተፈተነት፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሓደ ቦታ ብዘጋጠመ ነትጒ ነቲ መደብ ንኻልእ እዋን ኣመሓላሊፋቶ ኣላ።
መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገራት ወሽመጥ፡ ከምኡውን ግብጺ፡ ፓኪስታንን ካናዳን ዝዀኑ፡ ልዕሊ 150 ሰባት፡ ብባሕሪ ናብ ስዑዲ ዓረብ ግዒዞም ኣለው።
ብሰንበት ካብ ካርቱም ዝተበገሳ፡ ዜጋታት መላእ ዓለም ዝሓዘ ነዊሕ ቃፍላይ መካይንን ኣውቶቡሳትን ው.ሕ.ሃ፡ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ናብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ከምርሓን ከምዝተራእያ ሓደ ተወላዲ ሴራልዮን ንማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ተመሃሮ ኣፍሪቃ፡ እስያን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ካርቱም ተዓጊቶም ኣለው።
እቲ ንመጀመርያ ግዜ - ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ - አርኤስኤፍ - ዝተመስረተሉ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እውን በቲ ኲናት ኣዝዩ ተጐዲኡ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንድሕነቶም ዝሰግኡ፡ ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም፡ ክሳብ 20,000 ዝበጽሑ ሰባት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ጐረቤት ሃገር ጫድ ከምዝሰገሩ ሓቢሩ። ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር'ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ይርአ ኣሎ።
ኣብታ ክንዮ ስግር ኒል ኣብ ማዕዶ ካርቱም እትርከብ ከተማ ኦምዱርማን፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ብመጠኑ ፈኲስን ከቢድን ተዅሲ ስለዘጋጠመ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።
ይዅን እምበር ካብ መዓስከራት እቲ ሰራዊትን ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈትን ወጻኢ ዝካየድ ከቢድ ውግእ ደው ኢሉ’ዩ ዘሎ።
ከም ውጽኢቱ ደማ ካብቲ ተጻብኦታት ዝጀመረሉ ሰሙን ኣትሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ደቀንስትዮን ህጻናትን ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ንጐረባብቶም ክበጽሑን ናብ ዕዳጋታት ከይዶም ሃለኽቲ ክሽምቱን በቒዖም ኣለው።
እንተዀነ ከም ዘይትን ስርናይን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ሕጽረት ኣሎ። ብዘይካ ኣብ ሓደ ሓደ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ኣብ ካልእ ነዊሕ ሪጋ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝሞቱን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ከምዝቘሰሉን እዋናዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ፤ እቲ ሓቀኛ ቝጽሪ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።
ድሕሪ’ቲ ግጭት ሓያሎ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዝመስል መደባት ዕሽሽ ተባሂሉ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝጀመረ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ሙስሊም ንምድማቕ ዝተሓስበ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ተዅሲ ዕረፍቲ እውን ከምቲ ዝተሓስበ ኣይሰለጠን።
ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኲናት ንሚልዮናት ሱዳናውያን ናብ ጥሜት ክሸሞም ከም ዝኽእል ይገልጽ፤ ድሮ ኣስታት ሲሶ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር እኹል መግቢ ንምርካብ ተሸጊሩ ምህላው ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







