ቅልውላው ሱዳን፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ካርቱም ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ዲፕሎማሰኛታታን ስድራቤቶምን ካብ ካርቱም ሱዳን ከምዘውጽአ ገሊጹ።
"ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝሃብክዎ ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብካየዶ ስርሒት፡ ወከልቲ ኣሜሪካ ካብ ካርቱም ክወጹ ተገይሩ" ኢሉ ባይደን።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሱዳን፡ ሽዱሽተ ነፈርቲ ብምውፋር ምስ ኣመሪካ ከም ዝተሓባበረ ገሊጹ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ቻይናን ካብ ካርቱም ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ክወጹ ምዃኖም ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ክንደይ ሰባት ካብ ሱዳን ከምዝወጹ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ይኹን'ምበር፡ ቅድሚ እዚ ስርሒት እዚ፡ ምስ ቢቢሲ ምትእስሳር ዘለዎ ሲቢኤስ ኒውስ፡ 70 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምውጻእ መደብ ከምዘሎ ጸብጺቡ ነይሩ።
ባይደን ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝተዓጽወ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ስርሒት’ዚ ንኽዕወት ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ንዝገበርኦ ኣበርክቶ እውን ኣመስጊኑ።
ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ሱዳን ዘውጽአት ካልአይቲ ሃገር ኰይና ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ 150 ዜጋታት፡ ዲፕሎማሰኛታትን መራሕቲ ዓለምን ዝበዝሑ ዜጋታት ሃገራት ወሽመጥ፡ ከምኡ’ውን ዜጋታት ግብጺ፣ ፓኪስታንን ካናዳን ናብ ጅዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተወሲዶም እዮም።
መዓርፎ ነፈርቲ ሱዳን ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ነፈርቲን ቶኽስን ዝካየደሎም ቦታታት ብምንባሩ፡ ሰባት ንምውጻእ ኣጸጋሚ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ጉጅለ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ንባይደን ምኽሪ ድሕሪ ምሃቡ ዜጋታት ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ከምዝወሰነ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ መራሒ ኣመሪካ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጹ ነይሩ።
“ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣመሪካውያን ንምሕጋዝ ብቐጻሊ ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ። ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና። እዚ ዘሕዝን ግጭት ደው ክብል ኣለዎ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።
“እቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ከቋርጹ ኣለዎም። ድሌት ህዝቢ ሱዳን ኣኽቢሮም ንሰብኣዊ ሓገዝ መንገዲ ክኸፍቱ ይግባእ" ክብሉ ወሲኹ ገሊፁ።
ዓባይ ብሪጣንያ እውን ዜጋታታ ከተውጽእ ውጥን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ። ዜጋታት ሃለዋቶም ንኤምባሲ ክሕብሩ ተነጊርዎም ኣሎ።
ስጳኛ ብወገና ሽዱሽተ ነፈርቲ ናብ ጅቡቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ እያ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ ኣሎ።
ካብ ሆስፒታላት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ እዚ ምዃኑ ይእመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







