ውግእ ሱዳን ከብቅዕ ዝጽውዕ ናይ ደገ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሱዳን፡ ነቲ ንሞት ልዕሊ 300 ሰባት ምኽንያት ዝዀነ ውግእ ንምቁራጽ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ።
እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ (RSF) ዝተባህለ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምብጻሕ ዝጓየይሉ ምኽንያት በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር እዩ።
ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ፡ ብሰብኣዊ ምኽንያት ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዐ ይገልጽ፤ ካብ'ት ሰራዊት ግና ዛጊድ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ክልተ ፈተነታት ተኹሲ ደው ምባል ፈሺሉ እዩ።
ቅድም ክብል፡ ሓላፊ እቲ ስሩዕ ሰራዊት፡ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ምስ’ቶም ዘይስሩዕ ሓይልታት፡ ድርድር ክካየድ ከምዝኽእል ንዝገልጽ ሓበሬታ ነጺጉዎ ነይሩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሲቪላውያን ናብ ውሑስ ቦታ ንኽበጽሑ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት እዩ።
ሚስተር ጉተረዝ፡ “ምቁራጽ ተኹሲ ዒድ-ኣልፈጥር፡ ካብቲ ውግእ ዕረፍቲ ንምሃብን ቀዋሚ ተኹሲ ደው ንምባል መንገዲ ንምጽራግን ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
"እዚ ተኹሲ ደው ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ዒድ ጾም ሮሞዳን፡ ዓቢ ሃይማኖታዊ በዓል ኣስላም እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መሪር ውግእ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ከምዝሃደሙ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን፡ እቶም ኣብ ውግእ ዘለዉ ወተሃደራዊ መራሕቲ እንተወሓደ ክሳብ ሰንበት ተኹሲ ደው ከብሉ፡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ሚስተር ብሊንከን "እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን፡ ሰብኣውን ዲፕሎማስያውን ኣባላት፡ እንተላይ ዜጋታት ኣመሪካ ዘስዕቦ ሓደጋ ከቢድ ስክፍታ" ከምዝፈጠረሉ ገሊጹ።
መራሒ ሰራዊት ሱዳን፡ ጀነራል ቡርሃን ካብ መራሕቲ ቱርኪ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ሚስተር ብሊንከንን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ናይ ቴሌፎን ደወል ከምዝበጽሖ ሓቢሩ።
እቶም ኣብ ማእከል እቲ ቅልውላው ዝርከቡ ክልተ ወተሃደራት፡ ጀነራል ቡርሃንን ‘ሕሜቲ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎይታ ኲናት፡ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን እዮም።
ክልቲኦም ኣብ ትሕቲ እቲ ዝሓለፈ ስርዓት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዘገልገሉ ኰይኖም፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዲሞክራሲያዊ ተቓውሞታት፡ ኣብ 2019 ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ተሳቲፎም።
ኣብ ኢዶም ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ኣለዎም።
ኣዛዚ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ኣስታት 120 ሽሕ ወተሃደራት ክህልዎ እንከሎ፡ ሕሜቲ ድማ፡ ክሳብ 150 ሽሕ ዝበጽሕ ስሙ ብዓመጽ ዝለዓልን ዘፍርሕን ሓይሊ ኣለዎ።
ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣካል ናይቲ ንዲሞክራስያዊ መንግስቲ መንገዲ ክጸርግ ዝነበሮ መሰጋገሪ ምምሕዳር እዮም ነይሮም።
እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ጀነራል ኣል-ቡርሃን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ነዚ ኩሉ ገቲእዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ስምምዕ ስግግር እኳ እንተተበጽሐ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እዞም ክልተ ሰባት ሓይልታቶም ብኸመይ ናብ ሓደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክውሃሃድ ከምዝኽእል ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
ቁጠባዊ ረብሓታት እውን ኣሎ፡ ብፍላይ ወርቂ።
ወርቂ ዝዓበየ ሰደድ እታ ሃገር ኮይኑ፡ ስድራቤት ሕሜተ ድማ ዓቢ ብጽሒት ከምዘለዎም ይዝረብ።
ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት እውን ኣለዎ። ካብቲ ወርቂ ዝበዝሐ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ ዝኸይድ።
ኣብ ዩክረይን ተዋጋእቲ ዘለዉዎ ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር፡ ካብ ወፍርታት ዕደና ሱዳን ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ፡ እዚ ድማ ንመንግስቲ ሩስያ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
ሱዳን ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ሃገር ብምዃና ኣብኣ ዝፍጸም፡ ንጎረባብታ ኰነ ነቲ ሰፊሕ ዓለም ጽልዋኡ ዓቢ እዩ።
ሩስያ፣ ኣመሪካ፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ንጽልዋ ይወዳደራ ኣለዋ።
ከምኡ’ውን ኲናት ሓድሕድ ይለዓል ዶ ይዀውን ኢለን የቋመታ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







