ግጭት ሱዳን፡ እዋናዊ ምዕባለታት 6ይ መዓልቱ ዝቐጸለ ረጽሚ

ብትኪ ዝተዓብሎኸት ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብትኪ ዝተዓብሎኸት ርእሰከተማ ካርቱም

ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታትን ክካየድ ዝቐነየ ውግእ ሎሚ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብቲ 6ይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ውግእ ብውሕዱ 270 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ረጽሚ ንምህዳእ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት ዛጊት ኣይሰመረን።

ሎሚ ሓሙስ 20 ሚያዝያ ካብ ዝነበሩ ቀንዲ ምዕባለታት ናይቲ ኩነታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

'ገሃነማዊ' ኩነታት ካርቱም

ዓቕሎም ዝጸበቦም ገለ ነበርቲ ካብ ፈለግ ናይል ማይ ክቐድሑ ይግደዱ ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ዓቕሎም ዝጸበቦም ገለ ነበርቲ ካብ ፈለግ ናይል ማይ ክቐድሑ ይግደዱ ኣለዉ

ህይወት ኣብታ ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ተናዊጻ ዘላ ከተማ ካርቱም እናብኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ርእሰከተማ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ተቋሪጹ ይርከብ።

መግቢን ማይን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባት እናንቆልቆለ ምምጽኡ ኣብ ነበርቲ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ዓቕሎም ዝጸበቦም ገለ ነበርቲ ድማ ካብ ፈለግ ናይል ማይ ክቐድሑ ይግደዱ ኣለዉ።

ነበርቲ ከተማ ካርቱም ብፍርሒ ተዋሒጦም ኣብ ከቢድ ጸበባ ኣትዮም ምህላዎም ጸብጻባት ጋዜጠኛታት ይገልጹ።

"ንህይወት ሲቪላውያን ግዲ የብሎምን" ክብል ሓደ ንክልቲኦም ወገናት ዝነቅፍ ነባሪ ካርቱም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

በቲ ኩነታት ከምዝተቖጥዐ ዝገልጽ መሓመድ፡ ባንክታት ምዕጻወን'ውን ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ይገልጽ።

መወዳእትኡ እንታይ ከምዝኸውን ዘይምፍላጥ'ውን ኣብ ህዝቢ ዓቢ ሻቕሎትን ተርባጽን ፈጢሩ ከምዘሎ ኣብታ ከተማ እትነበር ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ውድብ ኮረስ ትገልጽ።

"ከም ሃገር፡ ህዝብን ወልቀሰብን ናበይ ትኸይድ ከምዘለኻ ፍጹም ኣመት ዘይብልካ ምዃን እቲ ዝኸፍአ'ዩ" ክትብል ሳራ ኣልሲዒድ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ እታ ከተማ እግሮም ናብ ዝመርሖም ካብታ ከተማ ይወጹ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ካብ 10 ክሳብ 20 ሽሕ ዝበጽሑ ሱዳናውያን ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ኣትዮም ኣለዉ።

ብዙሓት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን'ውን በቲ ቅልውላው ተጽልዮም ኣለዉ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ተኣፋፊ እዋን፡ ካብ ካርቱም ወጺእካ ምንቅስቓስ "ብፍላይ ንኤርትራዊ ይዅን ኢትዮጲያዊ ኮታስ ንዝዀነ ሓበሻ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ" ምዃኑ መድሃኔ ርእሶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ነባሪ ካርቱም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣጠንቂቑ።

ካብ ከተማ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ነበርታ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ነበርቲ ካርቱም ካብታ ከተማ ይወጹ ኣለዉ

ወተሃደራት ግብጺ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ሓይልታት ግብጺ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ሰብመዚ ግብጺ ኣረጋጊጾም።

ኣቐዲሙ ሰራዊት ሱዳን 177 ወተሃደራት ግብጺ ናብ ሃገሮም ከምዝተወስዱ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቶም ንስልጠና ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተቐርቂሮም ዝጸንሑ'ዮም።

ገለ ካብኦም በቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ምትሓዞም ዘርኢ ቪድዮታት ከዘራርብ ቀን'ዩ ነይሩ።

እቶም ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ዝተነግረሎም ወተሃደራት፡ ብምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝወጹ ሰብመዚ ኢማራት ገሊጾም።

ኣፈኛ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ምስ ሰብመዚ ሱዳን ብዝገበርዎ ምውህሃድ እቶም ወተሃደራት ብሰለስተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ መጓዝያ ናብ ካይሮ ክግዕዙ ከምዝተገብረ ኣነጺሩ።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ኤምባሲ ግብጺ ኣብ ካርቱም ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ "እቲ ኩነታት ምስተረጋግአን ምቹእ ኩነታት ጸጥታ ምስተፈጥረን" ናብ ሃገሮም ከምለሱ ምዃኖም እቲ ወተሃደራዊ ኣፈኛ ሓቢሩ።

ኣብ መዓልቲ ዒድ ተዂሲ ደው ክብል ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተጻባእቲ ወገናት ሱዳን እንተወሓደ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ዝጽንበል በዓል ዒድ ተዂሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

"ምቁራጽ ተዂሲ ዝጸንዓሉ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ይመስለኒ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት ከኣ ተዂሲ ደው ምባል ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተዛሪቡ።

ዛጊት ውጉኣት ንምልዓልን ንህዝቢ ሓጺር እፎይታ ንምፍጣርን ዝተገብረ ፈተነታት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክዕወት ኣይክኣለን።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምጅማር ናይቲ ረጽሚ ይኹን ምውሓስ ምቁራጽ ተዂሲ ንሓድሕዶም ከካሰሱ ይስምዑ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ምዝዛም ጾም ሮሞዳን ዝበዓል ዒድ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብር ድሉው ምዃኑ ንተለቪዢን ኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ተዛሪቡ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዝኾነ መቐናቕንቱ ብወገኑ፡ ንልዝብን ተዂሲ ደው ምባልን ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዛጊት ዝተኻየደ ፈተነታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሰንኪ ሓይልታት 'ዳዕመ ሰሪዕ' ከምዝፈረሰ ከሲሱ። ጀነራል ሕመድቲ ግን እቲ ተበግሶታት ብሰራዊት ሱዳን ከምዝፈሸለ'ዩ ዝምጉት።

ሓደ ካብቶም ናብ ካርቱም ብምኻድ ከተዓርቑ ዝተመዘዙ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ክልቲኦም ወገናት ብህጹጽ ተዂሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

"እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦታት፡ ንናይ ወጻኢ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣካላት ብምሕዋስ ናብ ሓደገኛ መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል'ዩ" ክብል ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።

መራሕቲ ጂቡቲ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ናብ ካርቱም ክኸዱ ኣይክኣሉን ዘለዉ

ብውሕዱ 9 ህጻናት ተቐቲሎም ኣለዉ

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተወልዐ ጎኒጺ 270 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ገሊጹ።

ብውሕዱ 9 ካብቶም ግዳያት ቆልዑ ምዃኖም ድማ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ'ሎ።

ዩኒሴፍ ከምዝበሎ፡ ካልኦት 50 ዝኾኑ ህጻናት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

እቲ ረጽሚ እንተዘይ ኣቋሪጹ "ህጻናት ዋጋ እናኸፈሉ ክቕጽሉ ክግደዱ'ዮም" ክብል እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።

"እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ነቶም ኣዝዮም ብጥምየት ዝተሃስዩ 50,000 ህጻናት ዝወሃብ ህጹጽን ናይ ህይወት ኣድሕንን ኣልያ ኣተዓናቒፍዎ'ሎ"።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ክታበታትንን ኢንሱሊንን ብሰንኪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምቁራጽ ኤልክትሪሲቲ ክበላሾ ከምዝኽእል'ውን ኣፍሊጡ።

ዝበዝሓ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሆስፒታላት በቲ ወግእ ካብ ሰራሕ ወጻኢ ኮይነን ከምዘለዋ ሓካይምን ትካላት ጥዕናን ኣረጋጊጾም።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ንሕክምና ዘገልግል ውሑስ ኮሪደር ክኸፍቱ ጸዊዑ'ሎ።