ሰባት ካብ ካርቱም ይሃድሙ ኣለዉ፤ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከ?

ዝፈናቐሉ ዘለዉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ካርቱም ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ካርቱም ገዲፎም ይሃድሙ ከም ዘለዉ ዝወጽ ዘሎ ሓበሬታታት የመልክት።

ሃገራት ድማ ዜጋታተን ንምውጻእ ዝተፈላለየ ጻዕሪታትን ርክባትን ይገብራ ምህላወን ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሱዳን ይካየድ'ኳ እንተሎ፡ ብቐንዱ ግን ኣብ ካርቱም እዩ።

ትማሊ ረቡዕ ንግሆ እታ ከተማ ብጠያይትን ካልኦት ነተጕትን ትናወጽ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሰባት ብመካይንን ብእግሮምን ክሃድሙ ተራእዮም እዮም።

ነቲ ኵነታት ንምርግጋጽ፡ ቢቢሲ ኣብ ካርቱም ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ መድሃኔ ርእሶም ብተሌፎን ረኺቡ ኣዘራሪብዎ'ሎ።

ነዚ ኣመልኪቱ መድሃኔ ከብርህ እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ካርቱም ዝቕመጥ ሰብ፡ "ብፍላይ እቲ ሱዳናዊ ንስራሕ ኢሉ ካብተን ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዘለዋ ጀዚራ፡ ባሕሪ ገለ ዝበሃላ ብዙሓት ዓዲታት ዝመጸ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝበዝሕ ክንቀሳቐስ ዝተራእየ ድማ መብዛሕትኡ እቲ ካብ ካርቱም ርሑቕ ካብ ዘይኰነ ዓድታት ዝኣተወ'ሞ ንዓዱ ዝተመልሰ እዩ ይብል።

ኣተሓሒዙ መድሃኔ ርእሶም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ተኣፋፊ እዋን፡ ካብ ካርቱም ወጺእካ ምንቅስቓስ "ብፍላይ ንኤርትራዊ ይዅን ኢትዮጲያዊ ኮታስ ንዝዀነ ሓበሻ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ" ምዃኑ የጠንቅቕ።

መድሃኔ ከምዘረጋገጾ፡ እዚ እናዀነ ግን፡ ትማሊ [ረቡዕ] ንኸሰላ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ነይሮም እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰላማውያን ሰባት፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ዳግማይ ውግእ ምስተጀመረን ኣብ ከባቢ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ድሕሪ ዘጋጠመ ፍንጀራታት፡ ካርቱም ብጸሊም ትኪ ምስ ተሸፈነትን ካብታ ርእሰ ከተማ ክሃድሙ ጀሚሮም።

መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ፎከስ ኦፍ ኣፍሪቃ ከምዝበልዎ፡ ዝተዓጠቝ ተዋጋእቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ‘ፒክኣፕ’ መካይን ኰይኖም ኣብታ ከተማ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ነፈርቲ ውግእ ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከምዝተቘጻጸርዎም ዝእመነሎም ዒላማታት መጥቃዕቲ የካይዳ ኣለዋ።

መድሃኔ ብወገኑ፡ "እቶም ትማሊ ዝተበገሱ ከሰላ ዝበጽሑ ኣለዉ ድዮም ኣየረጋገጽኩን፡ ግን ይኽየድ ኣሎ ኢሎም ዝነቐሉ፡ ካብዚ ነቝጣ እንዳ ኣውቶቡስ ኣትሒዙ ስርቂ፡ ምግፋዕን ምፍርራሕን ወሪድዎም፡ ገሊኦም ቦርሳታቶምን ገንዘቦምን ተመንጢሎም፡ ተሃሪሞም ንገዛኦም ዝተመልሱ ግን ኣለዉ፡" ብምባል ነቲ ኵነታትን ሓደገኛቱን የገንዝብ።

ሓደ ካብታ ርእሰ ከተማ ዝሃደመ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ጽርግያታት መፈተሺ ነቝጣታት ከምዘቘሙ ብምግላጽ ገለ ዕጡቓት እቲ ሓይሊ ድማ ንሞባይል ስልኩን ዝተወሰነ ገንዘብን ከምዝመንጠልዎ ሓቢሩ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ'ውን ምዝማት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ብሰሉስ ነበርቲ ‘ካርቱም 2’ ዝተበሃለ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ገዛ ንገዛ እናኸዱ ማይን መግብን ይሓቱ ምንባሮም ተዛሪቦም።

ምስዚ ኣተኣሳሲሩ መድሃኔ፡ እቲ ኵነታት ንሱዳናውን ንስደተኛን ሓደ ከምዘይኰነ ምስትውዓል የድሊ፡ ሱዳናውያን ንየው ነጀው ክብሉ ርኢኻ ነብስኻን ገንዘብካን ኣብ ሓደጋ ዘይምእታው፡ ድሕሪ ምባል፡ "ብፍላይ እቶም ሓበሻ ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን ብትዕግስቲ ምንቅስቓስና ደሪትና ኣብ ገዛና ክንጸንሕ ይሓይሽ፡" ክብል ይመክር።

እቲ ነባሪ ካርቱም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣብ ዘይነበረሉ እዋን'ውን ብፍላይ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ክግፈፍ፡ ክእሰር፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊሉ ክወጽእ ከምዝጸንሐ ብምዝካር፡ ነቲ ኵነታት ክብለጹሉ ዝደልዩ፡ ፖሊስ ይዅኑ ጸጥታ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብቐጻሊ፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉን፡ ግዝያዊ ወረቐቶም ንምሕዳስ ኮነ፡ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ተጣበቕቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

መድሃኔ፡ እቲ ኵነታት ካብቲ ዝቐነዮ ብተዛማዲ ሎሚ [ሓሙስ] ሃዲኡ ከምዝወዓለ እዩ ዝገልጽ። ኣብዘን ዝሓለፈ መዓልታት - ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልቲ ኣዝየን ከቢድቲ ምባረን ዝጠቅስ መድሃኔ፡ ሎሚ ግን ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ኣትሒዙ እቲ ኵነታት ብተዛማዲ ህድእ ዝበለን፡ ሓሓሊፉ እንተዘይኰይኑ፡ ብፍላይ በዚ ከባቢና ተዅሲ ዘይተሰምዓሉን እዩ፡ ኢሉ።

ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ፡ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ተሰማሚዖም ነይሮም። እቲ ስምምዕ ግን ክጅመር ካብ ዝተሓሰበሉ ሰዓታት ብደቓይቕ ኣቐዲሙ ፈሪሱ።

ትማሊ ረቡዕ እውን ሓድሽ ሓሳብ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ቀሪቡ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን በቲ ሓሳብ ተዅሲ ደው ምባል ክግዛእ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ርእሰ ከተማ ግን ድምጺ ተዅሲ ይስማዕ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብቲ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ብሰፊሑ ዝተታኾሱሉ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት 'ታ ሃገር ትኪ ይርአ።

ኣብ ካርቱም ዝመደበሩ ጋዜጠኛ መሓመድ ኣልኣሚን ንቢቢሲ ‘ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ምርድዳእ እንተተበጽሐ፡ እቲ ተዅሲ ግን ደው ከምዘይበለ እዩ ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ "ኣነ ባዕለይ፡ ኣማኢት ሰባት ካብ ካርቱም ክወጽኡን ናብተን ጎረባብቲ ግዝኣታት ንምኻድ ክጓየዩን ርእየ" ክብል ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ግብራውነት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ዕንቅፋት ዝዀኑ ዘለዉ እቶም ኣብታ ከተማ ዘለዉ ዝተበታተኑ ሓይልታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ’ሎ።

"ኣብ መንጐ እዞም ሰራዊት ምብታኽ ርክባት ኣሎ። ብዝተዳኸመ ርክብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ቦታታትን ኰይኖም ይታዀሱ ኣለዉ" ኢሉ።

ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ነባሪ ካርቱም መድሃኔ፡ ኣብቲ ዝነበረሉ 'ጃብራ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምኡ'ውን ኢንተርነት ከምዘሎ ይጠቅስ።

"እታ ሓንቲ ሽግር ዘላ ግን መሸጣ ኤሌክትሪክ'ዩ ተቛሪጹ ዘሎ፡" ብምባል እቲ ኤሌክትሪክ ዝጥቀም ዘሎ እቲ ዓዲጕ ዝጸንሐ እዩ ብምባል ይገልጽ።

"እንተዀነ ሎሚ ድሮ ዓድ ኣልፈጥር እዩ፡ ከም ግቡእ ካልእ ክኸውን እዩ ነይርዎ፡ ግን ዝዀነ ናይ ኣውደኣመት ምልክታት የለን፡" ድሕሪ ምባል፡ ኰይኑ ግን ሰብ ዘድልዮ ነገራት ኣብ ከባቢኡ ካብ ዝርከብ ድኳናት ንምሽማት ድሩት ዝዀነ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ የረጋግጽ።

ብሰንኪ'ዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይዅኑ ኢትዮጵያውያን ወርዲ ዝበሃል ጉድኣት ክገልጽ እንከሎ፡ "እታ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተርግሐት ቪድዮ፡ ናብ ኤርፖርት ኣብ ዝቐረበ ከባቢ ዋሕዳ'ወ ኣርብዒን ኣብ ዝበሃል ቦታ ዘጋጠመ እዩ። ቦምባ ነፋሪት እዩ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ሓደ ገዛ ናይ ሓበሻ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ገለ ሽዱሽተ ዝዀኑ ድማ ቈሲሎም፤ ሓበሻ ድማ ኣብ ሓደ እክብ ኢሉ ስለዝነብር ብሓደ ከቢድ ጕድኣት ወርዲዎም፡"

ካልእ ኣብ ሰሓፋ ሸሪፍ ዝበሃል ቦታ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ሓደ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ፡ ካልኦት ክልተ መንሰያትውን ብበረሪ ጥይት ተሃሪሙም ዝሞቱ ቤተሰቦም ኣብ ኤርትራ ዝተረድኡ ኣለዉ፡ ብምባል፡ ተቐማጢ ካርቱም መድሃኔ ርእሶም፡ ንሓፈሻዊ ኵነታት ሱዳን ብፍላይ ከኣ ካርቱም ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣዛሚዱ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ...

እቲ ግጭትን ወጥሪን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዜጋታትን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ምድላዋት ክገብራ ጀሚረን ኣለዋ።

መንግስቲ ጃፓን፡ ሓይልታት ርእሰ ምክልኻል [Self Defence Forces] ሃገሩ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣስታት 60 ዜጋታቱ ብኸመይ ከም ዘውጽኦም ይውጥን ከምዘሎን ወተሃደራዊ ነፋሪት ድልውቲ ኮይና ከምዘላን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያ ስተርጎሜና ታክስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስታ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 210 ዜጋታታ ምውጻእ ዘሎ ተኽእሎታት ይግምግም ምህላዉ ኣረዲኣ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ዘሎ "ዘይርጕጽ ኵነታት ጸጥታ"፡ ማለት "ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተዋደደ ምውጻእ" የለን ማለት ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።

ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት 12 ሃገራትን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት 270 ከምዝበጽሐ ይሕብራ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ቅኑዕ ኣሃዝ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእልን ብዙሓት ውጕኣት ከኣ ናብተን ብከበድቲ ኣጽዋር ከምዝተወቕዓ ዝንገረለን ሆስፒታላት ክበጽሑ ከምዘይከኣሉ ክኢላታት ይገልጹ።