ቅልውላው ሱዳን፡ ወጻእተኛታት ካብ ሱዳን ክወጽኡ ምዃኖም ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጸንኪሩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ኣዋን፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ቻይናን ካብታ ሃገር ብነፋሪት ክወጽኡ ምዃኖም ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት’ቲ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓቡድልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ እቲ መስርሕ ምውጻእ ኣብ “ዝስዕባ ሰዓታት” ንኽትገብር ንምቅልጣፍን ውሑስ ንምግባርን ተሰማሚዑ’ሎ።
እቲ ጀነራል ኣብዚ እዋን፡ ኣንጻር መራሒ ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ ኣብ መሪር ንሕንሕ ስልጣን እዩ ተጸሚዱ ዘሎ።
ኣብዚ ሰሙን ኣቑጺሩ ዘሎ ግጭት፡ ኣማኢት ሰላማውያት ሰባት ከምዘተቐትሉ እዩ ዝግለጽ።
ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ስርሒታት ምውጻእ ዜጋታት ወጻኢ፡ ብሰንኪ ስግኣታት ጸጥታ ግብራዊ ክኸውን ኣይከኣለን ጸኒሑ።
መግለጺ ሰራዊት ሱዳን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ ፈረንሳን ቻይናን ብወተሃደራዊት ነፋሪት ብመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣቢሎም ክወጽኡ ምዃኖም ኣመልኪቱ’ሎ።
ብዓርቢ፡ ጀነራል ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ማርክ ማሌይ ንድሕነት ‘ቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ዜጋታት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ምስ ጀነራል ዓቡድልፋታሕ ኣልቡርሃን ተዘራሪቡ ነይሩ።
ኣሜሪካ ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ካርቱም ዘለዉ ኣባላት ኤምባሲኣ ንምውጻእ እዩ ዘሎ መደባ።
ስዑድዓረብ ብወገና፡ ንዜጋታት ካልኦት “ኣሕዋት ሃገራት” ካብ ሱዳን ንምውጻእ ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ መግለጺኡ፡ ዲፕሎማሰኛታት ስዑድዓረብ ድሮ ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡ ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ’ዚ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ግጭት ብፍላይ ነበርቲ ካርቱም በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሕማቕ ኵነታት ፍርሕን ሽቝረራን ከም ዘሕለፍዎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ፡ ትማሊ’ውን ውግእ ክካየድ ተራእዩ እዩ።
ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ ነቲ ብኣመንቲ እስልምና ብኽብሪ ዝበዓል፡ ኣብ ምዝዛዝም ወርሒ ጾመ ሮሞዳን ዝጽንበል በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ግብራዊ ከምዘይገበሩ ተረጋጊጹ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ተዅሲ ደው ከብሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰራዊት ኣታ ሃገር’ውን ብተመሳሳሊ ተዅሲ ደው ከብል ድሉውነቱ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ይዅን ግን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ቦምባን ፈኮስቲ ብረትን ይስማዕ ኣሎ።
ምስ ምጅማር እቲ ግጭት፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ስርሑ ኣቋሪጹ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ዝጀመረ ግጭት ክልቲኦም ወገናት ዛጊት ልዕሊ 400 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ እዩ ዝንገር ዘሎ።
እቶም ብናይ ስልጣን ንሕንሕ ሕሱም ተፋጢጦም ዘለዉ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲን፡ መጻኢ ዕድል ሱዳን ወሰንቲ ሰባት ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን፡ ሰራዊት ሱዳን ብፍላይ ንጐደናታት ካርቱም ካብ ህላወ ወተሃደራት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሓራ ንምግባር፡ ተወሳኺ ሓይሊን ኣጽዋርን ከምዘዋፈረ ይገለጽ ኣሎ።
እቲ ትማሊ ክበዓል ዝጀመረ በዓል ዒድ ኣልፈጥር፡ ቅድሚ ሕጂ ብኣዝዩ ድሙቕ ሃዋሁ፡ ስድራቤታትን ፈተውትን ተኣኪቦም፡ ንሓድሕድካ ብምብጽጻሕን ብቕንያቱ ዝበዓል እቲ ዝዓበየ ኣውደኣመት እዩ።
ሎሚ ግን ዘይከም ቀደም፡ ሰብ ብፍርሒ ተዋሒጡ፡ እቲ ካብ ከባቢታት ካርቱም ንስራሕ ኢሉ ኣብታ ከተማ ክቕመጥ ዝጸንሐ ዜጋ ድማ ነብሱ ንኸድሕን ነናብ ዓዱ ክሃድም ዝረኣየሉ ኰይኑ ከም ዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ የረጋግጹ።
እቲ ኣብ ዕለተ ዒድ ተኣኪብካ ኣብ ዓበይቲ መሳጊድ ዝፍጸም ስግዳን’ውን፡ ትማሊ ዓርቢ ከምዘይተራእየ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይነግር።
ብሰንኪ’ዚ ኵነታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ሱዳን ይንከላበቱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ካርቱም ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ነቲ ኵነታት ንምርግጋጽ ፈቲኑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ተቐማጢ ካርቱም ዝዀነ መድሃኔ ርእሶም፡ መብዛሕትኡ ኣብ ካርቱም ዝቕመጥ ሰብ፡ "ብፍላይ እቲ ሱዳናዊ ንስራሕ ኢሉ ካብተን ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዘለዋ ጀዚራ፡ ባሕሪ ገለ ዝበሃላ ብዙሓት ዓዲታት ዝመጸ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝበዝሕ ክንቀሳቐስ ዝተራእየ ድማ መብዛሕትኡ እቲ ካብ ካርቱም ርሑቕ ካብ ዘይኰነ ዓድታት ዝኣተወ'ሞ ንዓዱ ዝተመልሰ እዩ ኢሉ ነይሩ።
መድሃኔ፡ "እቶም ኣብ ዝሐለፈ መዓልታት ንከሰላ ገጾም ዝተበገሱ፡ ካብዚ ነቝጣ እንዳ ኣውቶቡስ ኣትሒዙ ስርቂ፡ ምግፋዕን ምፍርራሕን ወሪድዎም፡ ገሊኦም ቦርሳታቶምን ገንዘቦምን ተመንጢሎም፡ ተሃሪሞም ንገዛኦም ዝተመልሱ ኣለዉ፡" ብምባል ነቲ ኵነታትን ሓደገኛቱን ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ነባሪ ካርቱም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣብ ዘይነበረሉ እዋን'ውን ብፍላይ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ክግፈፍ፡ ክእሰር፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊሉ ክወጽእ ከምዝጸንሐ ብምዝካር፡ ነቲ ኵነታት ክብለጹሉ ዝደልዩ፡ ፖሊስ ይዅኑ ጸጥታ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።
ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብቐጻሊ፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉን፡ ግዝያዊ ወረቐቶም ንምሕዳስ ኮነ፡ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ተጣበቕቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታተን ደሃዮምን ኵነታቶምን ንምፍላጥን ብዝተኻእለ መጠን ንምውጻኦምን ዝተፈላለየ ጻዕሪታትን ርክባትን ይገብራ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







