ቅልውላው ሱዳን፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ኲናት ዝርከቡ ወገናት ካብ ፍርቂ ለይቲ - 24 ሚያዝያ ጀሚሩ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
ኣብዚ ወርሒ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር እዚ እንተወሓደ ንሳልሳይ ግዜ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተዅሲ ኰይኑ፡ እቶም ካልኦት በርዒኖም እዮም።
ሚስተር ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ን48 ሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ።
ብሊንከን ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብጽቡቕ ከም ዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ ንቐዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦን ሰብኣዊ ሓገዛትን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ክሰርሑ ምዃኖም ኣተንቢሁ።
ብ15 ሚያዝያ ውግእ ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 400 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።
ክልቲኦም ወገናት በብመገዶም ነቲ ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ ንመላእ እቲ ዞባን ክንዮኡን ክውሕጥ ዝኽእል "ኣዕናዊ ባርዕ" ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ነበርቲ እታ ዓውደ ኲናት ኰይና ዘላ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ገዛ ክጸንሑ ክንገሮም እንከሎ፡ ቀረብ መግብን ማይን እናተጸንቀቐ ምምጽኡ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
በቲ ዝተኻየደ ደብዳባት ከም መስመራት ማይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ክዓኑ እንከሎ፡ ብሰንኪ እዚ ሰባት ማይ ካብ ፈለግ ኒል ክሰትዩ ተገዲዶም እዮም።
እቲ ተዅሲ ደው ምባል ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ክወጹ ዘኽእል ተስፋ ዝፈጥርን መንግስታት ወጻኢ እውን ነቲ ዜጋታቶም ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝጀመርዎ ስርሒት ክቕጽልዎ ከኽእሎም ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናበርትዐ ምስ መጸ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታተንን ዜጋታተንን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ክጓየያ ተራእየን።
ብሊንከን ኣቐዲሙ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ሰባት ከውጽኡ ዝፍትኑ ዝነበሩ ቃፍላያት "ዝምታን ስርቅን” ከምዘጋጠሞም ገሊጹ።
ኣሜሪካ፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወኣ ኣብ ሱዳን ንምምላስ ትፍትን ከምዘላ ዝገለጸ እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ኵነታት “ኣዝዩ በዳሂ” ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ዳርጋ ተቋሪጹ ከምዘሎ ‘ኔትብሎክስ’ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ናዕቢ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ሱዳንን ጐረባብቲ ሃገራትን ከምዝሃደሙ ይግመት።
ወዲ 91 ዓመት ሓሰን ኢብራሂም ካብኣቶም ሓደ እዩ። ንሱ ጡረታ ዝወጽአ ሓኪም ኰይኑ ኣብ ጥቓ እቲ ዝኸፍአ ውግእ ዝተኻየደሉ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም እዩ ዝነብር ነይሩ፤ ኣብዚ እዋን ግን ምስ ስድራኡ በቲ ሓደገኛ መገዲ ሓሊፉ ኣብ ጐረቤት ሃገር ግብጺ ኣዕቍቡ ኣሎ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በቲ ኣብ መንጐ ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ሰራዊትን ኲናት ዝካየደሉ ስፍራ ኣብ ዝሓልፉሉ ዝነበሩ እዋን ከምዝተተኮሰሎም፡ ንስክላ ከምዘምለጡን ብድሕሪኦም ዝነበረት መኪና ከምዝተወቕዐትን ገሊጹ።
ብድሕሪኡ እታ ስድራ ናብ ዶብ ንምብጻሕ ኣውቶቡስ ተሰቒላ ን12 ሰዓታት'ኳ እንተተጓዕዘት፡ ኣብኡ መእተዊ ፍቓድ ክወሃቦም ዝጽበዩ ብዙሓት ሰባት ከምዝጸንሕዎምን ዕግርግር ከምዝነበረን ኣረዲኡ።
"ብዙሓት ስድራቤታት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ገያሾ፡ ህጻናትን ዕሸላትን ነይሮም፤ ሱዳናውያን ካብታ ሃገር ይሃድሙ ኣለዉ - ዘሕዝን ክውንነት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትሰርሕ እንግሊዛዊት ሱዳናዊት ሓኪም ማህጸን ኣይማን ኣብ ጋርጋ፡ ስድራ ክትርኢ ኢላ ምስ ደቃ ናብ ሱዳን ኣብ ዝገሸትሉ እዩ እቲ ውግእ ጀሚሩ።
ንሳ ሕጂ በቲ ብፈረንሳ ዝተወደበ በረራ ምውጻእ ወጻእተኛታት ናብ ጅቡቲ ክትግዕዝ ክኢላ እያ። ብተበተብ ምንቃላ ግን ነቲ ዝሓመመ ኣቦኣ፡ ወይ ንኣደኣን ሓፍታን ክትፋነዎም ዕድል ዝህብ ኣይነበረን።
“እታ ሃገር ረሲሓ'ያ፡ ኣብ ኵሉ ጓሓፍ'ዩ ዘሎ፤ ረሳሕ ፈሳሲ መሊኡ ይፈስስ፡ ይጨኑ ኣሎ፤ ስለዚ ሕጂ ቀጺልና ለበዳ ሕማምማት ክነርኢ ኢና። ኬድካ እትሕከመሉ ሆስፒታል ከኣ የለን፡” ትብል ንቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።
"ንሞትን ዕንወትን ድኽነትን ጥራይ ኢና ንርኢ ዘለና።"
ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ሱዳን ኣብ መንጐ ሰራዊትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍን ዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከቝጽር እንከሎ ብቐንዱ ኣብታ ከባቢ 6 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ካርቱም እዩ ክካየድ ቀንዩ።
እቲ ኲናት፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ክዋፈሩ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ሰራዊት ነቲ ምንቅስቓሳቶም ከም ስግኣት ብምርኣዩ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ዝሰዓበ እዩ።
ሱዳን ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ብወተሃደራዊ ቤትምኽሪ እያ ክትምራሕ ጸኒሓ። መራሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ እቶም ሕጂ ንሓድሕዶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለው ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን መራሒ እታ ሃገርን ዝዀነ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) እዮም።
ንሳቶም ኣብቲ ዝቐረበ እማመ ስልጣን ምስግጋር ናብ ሲቪል ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
እቲ ቀንዲ ዘይተሰማምዑሉ ነጥቢ ከኣ፡ ነቲ 100,000 ዝኸውን ወተሃደራት ዘለዎ ሓይሊ RSF ናብ ሰራዊት ምጽንባርን ብድሕሪኡ ነቲ ዝቐውም ሓደሽ ሓይሊ መን ይምርሓዮ ዝብልን ምዃኑ ይግለጽ።
ጀነራል ዳጋሎ፡ ንመንግስቲ ጀነራል ቡርሃን "ኣኽረርቲ እስላማውያን" ብምባል ይኸሶም።
ንሱ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ "ነቲ ህዝቢ ሱዳን ንነዊሕ ዝተሃንጠዮ ደሞክራስያዊ ገስጋስ ንምርግጋጽ ይቃለስ” ከምዘሎ ይገልጽ።
ብዙሓት ግን ነቲ ኣረሜናዊ ታሪኽ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብምዝካር ነዚ መልእኽቲ ክኣምንዎ ኣይክእሉን ዘለዉ።
ጀነራል ቡርሃን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ዝብል ሓሳብ ከምዝድግፍ'ኳ እንተገለጸ፡ ስልጣን ግን ንዝተመርጸ መንግስቲ ጥራይ ከምዘረክብ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







