ቅልውላው ሱዳን፡ መዋጥር ግብጺ ኣብ ግጭት ካርቱም

ፕረዚደንት ግብጺ ምስ ኣል ቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ (የማን) ምስቲ ብጀነል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን (ጸጋም) ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ዝያዳ ከም ዝቀራረብ እዩ ዝእመን

ሓያል ጐረቤት ሱዳን ዝዀነት ግብጺ፡ ብሰሜን ተባሪዑ ንዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ካርቱም ብተገዳስነት ትከታተሎ ኣላ። ይዅን እምበር ምስ ኣየናይ ሓይሊ ከምእትውግን ንኽትውስን ዝተጸገመት ትመስል። እቲ ግጭት ንነዊሕ እዋን እንተቐጺሉ ከኣ እቲ ወጥሪ መሊሱ’ዩ ክብእስ።

ግብጺ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ንዘለው ክልቲኦም ሓይልታት፡ ንሰራዊት ሱዳንን ነቲ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ፍሉይ ሓይሊ ቀረባ እያ።

እታ ብመሓመድ ሓምዳን "ሕሜቲ" ዳጋሎ ንዝምራሕ ሓይሊ እትድግፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንግብጺ እውን ብዙሕ ገንዘባዊ ደገፍ ከምእትገብረላ እዩ ዝእመን።

ግብጺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ግጭትን ድኽነትን ዝሃደሙ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሱዳናውያን ኣእንጊዳ ኣላ። ክልቲኤን ሃገራት፡ ህዝበን ካብና ናብን ብነጻ ናይ ምንቅስቓስ ስምምዕ ኣለወን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ዝፈለሱ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ካይሮ - ኣብ ሱፐርማርኬት፡ ኣብ ንኣሽቱ ድኳናት፡ ኣብያተ መግቢ ከምኡ'ውን ኣብ እንዳ ሰብ ዝሰርሑ ሰባት ብብዝሒ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ሓደ ዓመት ዝወሰኸ ርኡይ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡሳትን መዓርፎ ነፈትን ተዘሪኦም ትርእዮም። በቲ ብዝሕን ዋሕዝን ስደት ዝዋዘዩ ግብጻውያን ከኣ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ "ናይ ሱዳን መዕርፎ ነፈርቲ" ኢሎም ይጽውዕዎ ።

ሓደ ሱዳናዊ መንእሰይ ብ800 ፓውንድ ሱዳን (26 ዶላር) ካብ ካርቱም ድሕሪ ጕዕዞ ሳልስቲ ንካይሮ ከምዝኣተወ ይዛረብ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ፡ መዓልታዊ 25 ኣውቶቡሳት ካብን ናብን ካርቱም ካይሮ ገያሾ ጽዒነን ይመላለሳ። ኣብ ዓመት ከኣ ኣስታት 37,000 ሰባት ይጓዓዓዙ። እቲ ኲናት ቀልጢፉ እንተ ዘይዓሪፉ እቲ ቝጽሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ክተዓጻጸፍ ይኽእል እዩ።

ኵነታት ውግእ ሱዳን ግን በዚ ምኽንያት ጥራሕ ኣይኮነን ንግብጺ ዘገድሳ። ኣብ ካርቱም ዝህሉ ድኹም ስርዓት ይዅን ንግብጺ ዝጻባእ መንግስቲ ንግብጺ ኣዝዩ እዩ ዘሻቕላ።

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግብጺ፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ እተካይዶ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካራኻሪ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ንሱዳን ከም ኣገዳሲት መሻርኽቲ ሃገር እያ ትርእያ።

ግብጺ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገምገም ቡሉ ናይል ዝህነጽ ዘሎ ገዚፍ ሃይድሮ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ከመንጩ ዝኽእል ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ፡ ንመጠን ፍሰት እቲ ኣብ ህይወታ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ፈለግ ከጕድሎ ስለዝኽእል፡ ሱዳን ከኣ ኣብዚ ጉዳይ ሓይል ተራ ስለዝህልዋ ከም ጸግዒ እያ ትጥምታ።

መንግስቲ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ሱዳን ኣብ ስትራተጂያዊ ረብሓታት ግብጺ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ'ኳ እንተለዋ፡ ነቲ ኣብ ካርቱም ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብዘተኣማምን መገዲ ምላሽ ንምሃብ ዝተሸገረ ይመስል።

ግብጺ፡ ገለ ካብ ወተሃደራታ ብሓይሊታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሓይሊ ሕሜቲ ምስተማረኹ’ዩ እቲ ሰራዊት ተሪር መግለጺ ዘውጽአ ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከኣ ፕረዚደንት ሲሲ፡ ግብጺ ኣብቲ ግጭት ምስ ዝዀነ ሓይሊ ከም ዘይትውግንን ብምግላጽ ነቲ ጉዳይ ንምሽምጋል ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ነዚ ዘይሻራዊ መትከል’ዚ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ምዃኑ ዝኣምኑ ሰባት ሒደት እዮም።

ግብጺ ምስ ሰራዊት ሱዳን ትተሓባበር ከም ዝነበረት ንጹር እዩ ነይሩ። እቶም እተማረኹ ወተሃደራታ እውን ኣብታ ሃገር ብሓባር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝሳተፉ ዝነበሩ እዮም። እቲ ግጭት ምስተፈጥረ ከኣ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።

ይዅን እምበር ግብጺ ስለምንታይ ምስ ሓደኦም ክትውግን ከምዝኸብዳን፡ ምርጫኣን ጸግዓን ብቅሉዕ ዘይትዛረበሉን ንኽትርዳእ ከቢድ ኣይኮነን።

እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ሕልኽላኽን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ዘደንቕ ተመሳሳልነትን እዩ ።

ግብጽን ሱዳንን ናይ ገዛእ ርእሰን ሰውራታት ኣካይደን እየን ።

ኣብ 2011 ኣብ ግብጺ ንሑስኒ ሙባረክ፡ ኣብ 2019 ድማ ኣብ ሱዳን ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዝኣለዩ ህዝባዊ ናዕቢታት ተኻይዶም እዮም። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ከኣ ሰራዊት ንርእሰ ብሄራት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምውጋድ ወሳኒ ግደ ነይርዎ።

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ግብጺ፡ እቲ ሰራዊት ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣፍሺልዎ። ስለዚ ከኣ እዮም ልሂቃን ሱዳን፡ ሰራዊት ግብጺ [ልክዕ ከምቲ ናቶም] ሰራዊት ሱዳን ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ የተባብዑዎ እዮም ዝብል ፍርሒ ኣለዎም።

ሰራዊት ሱዳን፡ ንምምስራት ስቪላዊ መንግስቲ ከምዝቕበሉን ንመስርሕ እቲ ምስግጋር ከምዝድግፉን እዮም ብቓልዕ ዝዛረቡ። እንተዀነ እቲ ኣብ 2019 ሰውራ ዘልዓለን ዝመርሐን ሓይልታት ሓርነት ኣይኣምኖምን እዩ። ስለዝዀነ ከኣ እዩ ምትእትታው ግብጻውያን ዘስግኦ።

እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቊጠባዊ ቅልውላው ትሕመስ ስለ ዘላ፡ ነቲ ንሳ እትደልዮ ኣማራጺታት ዝያዳ ይድርቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ባጤራኣ፡ ብመንጽር ዶላር ኣሜሪካ ዳርጋ ብፍርቂ እዩ ነክዩ። ኣብ ርእሲኡ ዓቢ ቁጠባዊ ዝቕባበን ድኽነትን የጋጥም ስለዘሎ፡ ከቢድ ዓመታዊ ዕዳ ወጻኢ እውን ክትሽፍን ኣይትኽእልን እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓንቲ ካብቶም ቀንዲ ደገፍቲ ፕረዚደንት ሲሲ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት፡ ንሕሜቲ እያ ትድግፍ።

ስለዝዀነ፡ ፕረዚደንት ሲሲ ኣብቲ ግጭት ጸግዒ ክሕዝ ኣሸጋሪ እዩ።

ምኽንያቱ፡ ንስርዓት ግብጺ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ፈታኒ እዩ። ስለዝዀነ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሓያል ምትእትታው ምግባር፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ግብጺ ዝጠቅም ኣይኮነን።

ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሊብያ ዘይተዓወተ እትድግፎ ዝነበረት ንጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ዝገበረቶ ጌጋ ክትመሃር ኣለዋ።

ግብጺ ነቲ ምዕባለታት ብጥንቃቐ ንምርኣይ ዝከኣላ ክትገብር ትኽእል እያ። ስጕምቲ ዘይምውሳድ ግን ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዘይክሰርሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ነበር ናቢል ፋሂሚ፡ "ርግኣትን ቅሳነትን ዘለዋ ሱዳን ንሃገራዊ ረብሓና ኣገዳሲት እያ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ይዅን እምበር ምርግጋእ ኣብ ግብጺ ነቶም ህዝባዊ ተቓውሞ ዓፊኖም ሰጥ ለበጥ ኣቢሎም ዝገዝኡ ምልካውያን መራሕቲ መመሳመሲ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

እቶም ሱዳናውያን ልሂቃን፡ እቶም ብሰሜን ዝዳወብዎም ጐረባብቶም ግብጻውያን፡ ብዛዕባ "ሃገራዊ ረብሓታቶም" ክዛረቡ እንከለው ዝፈርሕዎ ዛዕባ ሓቂ እዩ ።